Friday , April 26 2024
Fredrik Sandberg/TT

ካብ ባሕቲ ሚያዝያ ጀሚሩ ሓድሽ መምርሒ ፓስፖርትን ወረቐት መንነትን ምውጽኡ ፖሊስ ሓቢሮም።

ፓስፖርትን ወይ ወረቐት መንነት እንድሕር ተመልክት ኣሎኻ ኴንካን ናይ ኣገልግሎት ካርድ እንድሕር ኣሎካ SIS ዝብል ምልክት ክግበረሉ ኣለዎ።

ናይ ሽወደን ፓስፖርት ንምሕታት ካልኦት ዓይነታት ናይ ኣገልግሎት ካርዲታት ከም መለለዪ ወረቐት ከገልግልሉ ዝኽእሉ ዋጋ ኣይክህልዎምን እዩ።

ኣብዚ መስርሕ ሽወደናዊ ዜጋ ምዃንካ ግድን ክትሕተት ኢኻ። ፖሊስ ሽወደናዊ ዜጋ ምዃንካ ንምርግጋጽ ኣድላዪ ዘበለ መርመራ ከካይዱ እዮም።

ትሕቲ-ዕድመ ንዝኾኑ ቘልዑ ፓስፖርት ወይ መለለዪ ወረቐት ከውጽኡ እንተጠሊቦም ናይ ወለዶም ፍቓድ ክሕተቱ እዮም። ኣብ ፍሉይ ቅጥዒ ናብ ዝምልከቶ ዝኣቱ ኮይኑ ናይ ወለዲ ክታምን መረጋገጺኡን ክህልዎ እዩ።

መንነትካ ብሰነዳት ከተረጋግጽ ትደሊ እንተዄንካ ሰነዳትካ መበቈላውያን (ኦሪጂናል ) ምዃኖም ኣረጋግጽ። ተወሳኺ ፓስፖርት እንተደሊኻ ምኽንያትካን ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ትደልዮን ብጽሑፍ ኣቕርብ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com