Monday , April 29 2024
Fredrik Sandberg/TT

ካብ ቤት ማእሰርቲ ምምላጥ ብገበን ዘሕትት ክኸውን ባይቶ ድሌት ኣለዎ ተባሂሉ። 

ሓምላይ ሰልፊ ንነዊሕ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ መርገጺኡ ብምቕያር ካብ ቤት ማሕቡስ ምምላጥ ብገበን ዘቕጽዕ ተግባር ክኸውን ድሌት ከም ዘለዎ ምግላጹ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘዳለወቶ ጸብጻብ ኣመልኪታ። በዚ ድማ ከምዚ ዝበለ ተግባር ገበን ምዃኑ ንምሕላፍ ዘኽእል ዝበዝሐ ድምጺ ባይቶ ክርከብ እዩ ማለት እዩ።  ሰልፊታት ሞደራትና ዴሞክራትና ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ከምኡውን ሊበራል ካብ ቤት ማሕቡስ ምምላጥ ብገበን ዘቕጽዕ ተግባር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ክካትዑ ምጽንሖም ብምምልካት እዚ ናይ ሕጂ ምዕባለ ዝነኣድ እዩ ክብል ኣፈኛ ፍትሒ ሰልፊ ዴሞክራትና ቶቢያ ኣንደርሾን ገሊጹ’ሎ። 

“ዝበዝሑ ሽወደናውያን ካብ ቤት ማሕቡስ ምምላጥ ብገበን ዘቕጽዕ ተግባር እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ” ኢሉ’ሎ ኣንደርሾን። 

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com