Thursday , May 9 2024

ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ’ዚ እዋን፡ 12 ሓደጋታት ባርዕ ኣጋጢሙ

ሓደ ክፋል ናይ’ታ ኣብ ሉንድ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ፓለትስኮላን (Palettskolan)፡ ትማሊ ወጋሕታ ብባርዕ ከምተቓጸለን እዚ ድማ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሉንድ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ናይ መበል 12 ናይ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጣሚ ምኻኑ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ምምሕዳር፡ ሆልካን ኒልሰን፡ እዞም ፍጻሜታት ብጣዕሚ “ዘሕዝኑ” እዮም ክብል ከምዝገለጾም TT ሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ሰዓት 4 ወጋሕታ፡ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ንሓደጋ ባርዕ ዝምከት ሓበሬታ ከም ዝመጾን፡ ብመሳኹትን በሎፎንን ድማ ሃልሃልታ ሓዊ ይወጽእ ነይሩ። ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ እቲ ባርዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እካ እንተኣተወ፡ ሓደ ህንጻ ግን ምሉእ ብምሉእ ምቅጻሉ ተፈሊጡ። ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ እቲ ባርዕ ንኻልኣይ ግዜ ከይኽሰት ኣብቲ ከባቢ ንምሉእ መዓልቲ ክጸንሑ ምኻኖም ሓቢሮም።

ኣብዚ ምምሕዳር ካብ ዝርከባ ቤት ትምህርታት ዘጋጠሙ ናይ ባርዕ ሓደጋታት፡ እዚ ፍጻሜ መበል 12 እዩ። ብጀካ ኣብ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ ካልኦት ቦታታት ውን ናይ ባርዕ ኣጋጣሚታት ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ናይ ወርሒ ሓምለ፡ ብፍጻሜ ምስዋር ባርዕ ዝተጠርጠረ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከምዝነበረን ብድሕሪኡ ግን ነጻ ከምተለቀን ተፈሊጡ። ክሳብ ሕጂ ግን ጥርጡር እዩ ዘሎ።

ናይ ሙቐት ካሜራታት ሰቒልና ከምኡ ውን ተወሰኽቲ ዋርድያታት ቆጺርና ኣለና። ብተወሳኺ ድማ ምስ ፖሊስ ምትሕብባር ንገብር ኣለና ክብል ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ምምሕዳር፡ ሆልካን ኒልሰን፡ ገሊጹ።

ምምሕዳር’ዚ ከባቢ፡ ንጉዳያት ዝፍጠሩ ዘለዉ ናይ ባርዕ ሓደጋታት ንምግታእ ዝያዳ ክትግበሩ ዝኽእሉ ስጉምታት እንተሃልዮም መጽናዕታት የካይድ ምህላዉ ኒልሰን ብተወሳኺ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com