Saturday , April 27 2024
** FILE ** A lion lies in the high grass of the Masai Mara Reserve in southern Kenya, in this May 1999 file photo. Conservation groups on Thursday stepped up pressure on the government to abandon plans to export hundreds of wild animals to Thailand for a night safari zoo due to open in April, saying Kenya cannot afford to give away its diminishing stocks of wildlife. (AP Photo/Ravi Nessman)

ኬንያ: ሰፊሕ ምቚጻር እንስሳ ዘገዳም ተሳልጥ 

ኬንያ: ኣብ ዓለምና ዝሰፍሐ ምዃኑ እተነግረሉ ምቚጻር እንስሳ ዘገዳም ከም ዘሳለጠት ተገሊጹ።

ኣብ ኬንያ: ዓሌቶም ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ከምኒ ኣንበሳን ዘራፍን ዝመሰሉ እንስሳታት ከም ዝርከቡ ዝፍለጥ እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ካልእ ዓለምና ዝጸነቱ ጽምዲ ጻዕዳ ኣውራሪስ ኣብ ኬንያ ኣለዉ።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቆጸራ ሓደ ዓሌት እንስሳ ዘገዳም ነካይድ ኔርና ኢና። ሕጂ ግና ኣብ ምድሪን ማያትን ዘሎ ሃብቲ እንስሳ ዘገዳም ብምሉኦም ንቖጽሮም ኣለና ክብል ሓደ ክኢላ ገሊጹ።

እዚ ቆጸራ ኣብ ምስላጥ: ዕቀባ ሃብቲን ቱሪዝምን ኣገዳሲ ተራ ክጻወት ከም ዝኽእል እቲ ክኢላ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኬንያ: ኣሽሓት ዓሌታት እንስሳ ዘገዳም ዘለዉዋ ብብዝሓ ህይወት ሃብታም ሃገር ምስ ምዃና እዚ ብመንግስቲ ዝሳለጥ ዘሎ ቆጸራ ቀሊል ዕዮ ከም ዘይከውን ተገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com