Friday , April 26 2024
Foto: Henrik Holmberg/TT

ክሮነር ሽወደን ምንቊልቋ ኣርእዩ።

ክሮነር ሽወደን ምስ ዶላርን ዩሮን ብምውድዳር ምንቊልቋ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ።

እዚ ተርእዮ ሎሚ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ በጺሑ’ሎ ተባሂሉ።

ሸርፊ ሓንቲ ዩሮ 10.79 ክሮነር ምብጽሑን እዚ ምስቲ ዝጸንሖ ናይ 9.65 እንክነጻጸር ዓቢ ምንቊልቋል ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ዋጋ ዩሮ ምስ ክሮነር እንክወዳደር ከንቈልቊል እዩ ጸኒሑ።

ካብ ምጅማር ዓመተ 2019 ንደሓር ክሮነር ሽወደን ብመንጽር ዩሮ 6 ሚእታዊት ብመንጽር ዶላር ከኣ 9 ሚእታዊት ካብ ዋግኡ ምጥፋኡ ተገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com