Friday , May 10 2024

ክፍሊ ምምሕዳር መድሃኒታት ንመጸባበቒ ተባሂሉ ዝውሰድ መራፍእ መጠንቀቕታ የመሓላልፍ።

ሽወደናዊ ክፍሊ ምምሕዳር መድሃኒታት ብዓርቢ ኣብ ዘውጸኦ መጠንቀቕታ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መመልክዒ ሕክምናታት ዝጥቀምሉ መራፍእ ክሳብ ሕጂ ክስዕቦ ዝኽእል ጎድናዊ ሳዕቤናት ከምዘይተፈልጠ ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።

ንኣጠቓቕማ፡ ኣድምዕነትን ምቹእነትን ናይቲ መሳርሒ ኣመልኪቶም ሰበ መዚ ጥዕና ዳህሳስን መጽናዕትን ንከካይዱ ብተወሳኺ ብናይ ሽወደን ሕጊ ተቐይዱ ዝኸይድ ምዃኑ ንኽረጋገጽ እቲ ክፍሊ ጸዊዑ። ገለ ገለ ዓይነት መራፍእ ውን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኾኑ የጠንቅቅ። እንተኾነ TT ዝተባህለ ሽወደናዊ ናይ ዜና ማዕከን፡ ብሰንኪ እዚ ዓይነት ኣገባብ ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዝመጸ ጉድኣት ከምዘየለ ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com