Friday , April 26 2024
Members of the Common Alternative Revolutionary Force, the political party formed after the Revolutionary Armed Forces of Colombia (FARC) (AP Photo/Fernando Vergara) TSX305

ኮሎምቢያ …. መራሒ ዕጡቕ ጉጅለ Farc: ተቐቲሉ 

መራሒ ዕጡቕ ጒጅለ ኮሎምቢያ Farc: ኣብ ቨነዝዌላ ኣብ ዝተኻየደ ድብያዊ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐትለ ተገሊጹ። ምሉእ ስሙ: ሄራን ዳርዮ ቫላስኬዝ እኳ እንተኾነ ብኣሕጽሮተ ስሙ ኤል ፓይሳ እናተባህለ ዝፍለጥ መራሒ ተቓዋሚ ዕጡቕ ሓይሊ ኮሎምቢያ: ኣብ ኣውራጃ ኣፑረ: ቨነዝዌላ: እዩ ተቐቲሉ።

መንግስቲ ኮሎምቢያ: ብዛዕባ ሞት ፓይሳ: ዛጊት መረጋገጺ ይጽበ ምህላዉ ብምግላጽ: ዕላዊ መግለጺ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ’ሎ። እንተኾነ ግና ማዕከናት ዜና እታ ሃገር: ኤል ፓይሳ: ብዕሱባት ተቐቲሉ ክኸውን ከም ዝኽእል ትንታነታተን የቕርባ ኣለዋ።

Farc: ኣንጻር መንግስቲ ኮሎምቢያ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይድ ማርክሳዊ ስነ ሓሳብ ዝሕመረቱ ጒጅለ ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com