Friday , April 26 2024
: Pontus Lundahl / TT / kod 10050

ኮሚሽን ኣውሮጳ ን ሽወደን ከሲሱ።

ሽወደን ን ገለ ክፋል መምርሒታት ተተኮስቲ ኣጽዋራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ብዘይምኽባራ ኮሚሽን ኣውሮጳ ክኸሳ ኣፍሊጡ። ምውሳኑ

እዚ መምርሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ 2015 ኣብ ፈረንሳ ድሕሪ ዝተኻየደ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝወጸ ኮይኑ ግብረሽበራውያን ኣጽዋር ከይረኽቡ ምግባር ቀንዲ ዕላማኡ ገይሩ እዩ ተዳልዩ።

መንግስቲ ሽወደን ነዚ መምርሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ናብ ሕጊ ሽወደን ክቕየሩ ናብ ባይቶ እታ ሃገር ሕሳብ ኣቕሪቡ እኳ እንተነበረ ዝበዝሑ ኣባላት ባይቶ ነቲ ሕቶ ኣይተቐበልዎም።  ነቲ ሕጊ መኽበርቲ ዜጋታት ብረታት ናይ ምውናን መሰሎም ዝሓላልኽ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ መንግስቲ ሽወደን ልዕሊ ኣውሮፓዊ ሕብረት ነቲ ሕጊ ከኽብር ዝገብር እዩ ክብሉ ከም ተቓወምዎ ዝፍለጥ እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com