Tuesday , March 19 2024

ኮሮናቫይረስ ናይ ተፈጥሮ ግብረመልሲ

ሳድጉሩ እተባህለ ኣብ ዩትዩብ ዚነጥፍ ውሩይ ህንዳዊ ጉሩ ወይ ፈላስፋ፡ ንኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ፡ ”ንሱ እንታይ ዘይገበረ፡ ንሱ ዘይኮነ በዳልስ፡ ሰብ እዩ ምንባር ከሊኡዎ” ዝዓይነቱ መልሲ ሂቡ። በቲ መልሱ ብዙሓት ደስ ኣይበሎምን፡ ሳድጉሩ ግን ቀስ ኢሉ ከረድኦም ፈቲኑ። 

ንኣብነት ኣንበጣ ንውሰድ። ኣንበጣ ብተፈጥሮኡ በይኑ ምግቡ ዚምእርር ሓሸራ እዩ። ግን ብገለ ሰብ ዘምጸኦ ይኹን ወይ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ደርቂ፡ ነንሕድሕዱ ኪባላዕ ክሳዕ ዝደሊ ይጠሚ። ነታ ንእሽቶ ሳዕሪ ወይ ገረብ ዘለዋ ቦታ ተኣኪቡ ኪበልዓ ከሎ፡ ነንሓድሕዱ ይተናኸፍ እሞ፡ ኣብ ኣካላቱ ከሚካላዊ ንጥፈታት ይካየድ፡ ነቲ ባህርያቱ ድማ ይቕይሮ፥ ካብ ናይ ብሕቱው ናብ ናይ እኩብ ናይ ምንቅስቓስ ንጥፈታት ይሰግር። ተኣኪቡ ብምንፋር ድማ እኽልን ኣቝጽልትን ጸራሪጉ የጥፍእ። ከምቲ ሰብ ኪነብር ዚደሊ፡ ንሱ ድማ ኪነብር ይደሊ እዩ። እዛ ምድሪኮ ንኹሉ ፍጡር ማዕረ እያ እትብጽሖ።

ቫይረስ ከም ሰብ ፍጡር እዩ። ዚነብረሉ ቦታ ወይ ኒች (nich) ድማ ኣለዎ። እቲ ቦታ ድማ እንስሳ ወይ ተኽሊ ወይ ሰብ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ እዚ ሕጂ ዚህውኸና ዘሎ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መንካዕ ወይ ዑፍ-ለይቲ እዩ ዚነብር ይብሃል፡ ግን ነታ መንካዕ ኣይጎድኣን እዩ፡ ከመይሲ ካብ ጥንቲ ንኣኡ ዚከላኸል ተህዋሳት ፈጢራ እያ። 

እቲ መንካዕ ዚነብራሉ ቦታ ወይ ጫካ፡ ብሰብ ተጸራሪጉ ኣብ ሕርሻን ምርባሕ ከብትን ምስ ወዓለ ግን፡ እተን መንካዕ ናብቲ ናይ ሕርሻ ቦታ ይጎዓዛ’ሞ እቶም ቫይረስ ድማ ምስአን ይጎዓዙ። እተን መንካዕ፡ መግበን ደም ስለ ዝኾነ፡ ንኺነብራ ብማለት ነቶም ኣብቲ ቦታ ሕርሻ ዘለዉ እንስሳታት ምስ ነኸሳኦም፡ እቲ ቫይረስ ናብተን እንስሳታት ይሓልፍ። ግን እተን እንስሳታት ከምተን መንካዕ ናይዚ ጋሻ ቫይረስ’ዚ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ የብለንን። ስለዚ ይሓማ ወይ ድማ ነቲ ቫይረስ ሒዘንኦ ይጸንሓ። ሰብ ንኣታተን ምስ በልዐን፡ እቲ ቫይረስ ናብ ሰብ ይሰጋገር። ሰብ ድማ ምስ ተተናኸፈ፡ እቲ ቫይረስ ናብ ኩሉ ይላባዕ። ራዕዲ ድማ ይፍጠር።

ኣብዚ ክንፈልጦ ዘሎና፡ እቲ ገበነኛ፡ እቲ ሰብ ደኣምበር እቲ ቫይረስ ከም ዘይኮነ እዩ። ከምዚ ናይ ዑከት ቆፎ ምስ ሰበርካዮ እቶም ዑከት ንኪነኽሱኻ ደድሕረኻ ዚጎዩ፡ ናይ ቫይረስ ኣካይዳ ድማ ከምኡ እዩ። 

ለበዳ ወይ ፌራ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ተርእዮ እዩ። ንሱ ድማ፡ ብቫይረስ ወይ ብባክተርያ እዩ ዚኽሰት። ቫይረስ እቲ ኣዚዩ ዝነኣሰ ሓውሲ ህያውን ሓውሲ ዘይህያውን ተህዋስ እዩ። ንሱ ካብ ባክተርያ ብ 100 ግዜ ይንእስ።

የርሲንያ እተባህለ ባክተርያ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኤውሮጳ፡ ሓደ-ሲሶ ናይቲ ህዝቢ ቀቲሉ። ኣብ 1918 ስፓኒሽ ኢንፍሉወንሳ እተባህለ ብቫይረስ ዚመሓላለፍ ለበዳ ልዕሊ 50 ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ። ኣብ ሃገርናውን ሕማም ቲፎ፡ ፌራ፡ ጉልሓይ፡ መንደፍ ብዚብል ኣስማት ዚፍለጥ ናይ ቫይረስ ይኹን ናብ ባክርተርያ ጠንቂ፡ ብዙሕ ሰብን እንስሳን ወዲኡ እዩ። 

ናባና ናብ ሰባት ምስ መጸ ጥራይ ዚገርመና ወይ ዘስግኣና ኮይኑ እምበር፡ ቫይረስ ሰብ ኣይብል፡ እንሳሳ ኣይብል፡ ተኽሊ ኣይብል፡ ሓሸራ ኣይብል፡ ንኹሉ እዩ ዘጥፍእ። ንኣብነት ኣንትራክስ ባክተርዩም፡ ሕማም ጉልሓይ ብምምፍጣር ኣብ ቅድሚኡ ንዝረኸቦ እንስሳ እናጸራረገ እዩ ዚጓዓዝ። ጤል ኣይብል ኣንበሳ ኣይብል፡ ንኹሉ። 

ከምኡውን ንኣታኽልቲ ዚቐትሉ ፋንጋስ ወይ ባክተርያ ኣለዉ። ንደራሁ ብሓደ ግዜ ዘጽንቱ እውን ኣለዉ። ግን እዚኣቶም ኩላቶም፡ ኣብቲ ናይ ፍጥረት ናይ መግቢ ሰንሰለት እተሰርዑ ስለ ዝኾኑ፡ ከምቲ እንስሳታት ወይ ሰባት ሃዲኖም ይኹን ማእሪሮም ዚነብሩ፡ እዚኣቶም`ውን ከምኡ እዮም። ቦታኦም ምስ እተባላሽዎ ወይ ምስ እተዕኑዎ፡ ኣብቲ ከንብሮም ዚኽእል ቦታታት ይኸዱ። እዞም ቦታታት እዚኣቶም ድማ፡ ሰብ ወይ ተኽሊ ወይ እንስሳ ኪኾኑ ይኽእሉ። 

ናይ ሰብ ህርፋን፡ ካብቲ ነዞም ጠንቂ ለበዳ ዝኾኑ ተህዋሳት ካብ ዘምጽኦም ምኽንያት ሓደ እዩ። ኩሉ ሰብ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ተፈጥሮ ዝዓደሎ መግቢ ብስነስርዓትን ሃዲኡን ተኻፊሉን እንተ ዚጥቀመሉ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሽሻይ ገዲፉ ድማ ኣብ ጫካታትን ባሕርታትን ድንግል በረኻታትን ከይዱ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ስሩዕ ህይወት እንተ ዘይህውኾ፡ ናይ እንዱስትሪ ትክታት ዒግ ከም ዚብል ብምግባር ድማ ንኣየር ኪብክል እንተ ዘይውዕል ነይሩ፡ ከም በዓል ቫይረስ ወይ ጀርምስ ዚብሃሉ ጠንቂ ለበዳታት ደጋጊሞም ኣይምተኸስቱን ነይሮም። ኣብ ዘዘለዉዎ ኮይኖም ህይወቶም ምመርሑ።

ንኣብነት፡ ብሰንኪ ህርፋን ዚካየድ ኢንዱስትርያዊ ቅድድም፡ ንዓለም ዝያዳ ከም ኣትመውቕ ብምግባር፡ ነቲ ንመዋእል ረጊኡ ዝነበረ ናይ ኣርክቲክን ኣንታርቲክን በረዳት ከም ዚመክኽ ይገብሮ ኣሎ። እቲ በረድ ኣብ ትሕቲኡ እንታይ ዓይነት ናይ ዘመናት ቫይረሳትን ባክተርያታትን ቀቢሩ ይነብር ከም ዝነበረ ኣይንፍልጥን። ግን እዚኣቶም ሓደ እዋን ካብቲ በረድ ተገላጊሎም ንዓለም ኪወሩዋ ይኽእሉ እዮም። ይወሩዋ’ውን ይህልዉ ይኾኑ። 

ኣብዚ ኪርሳዕ ዘይብሉ ግን ሓደ ነገር ኣሎ፡ ንሱ ድማ ቫይረሳትን ባክተርያታትን ካብ ጥንቲ ብምንባሮም፡ ወድሰብ ከይተናኸፎም ወይ ከይቀስቀሶም እውን ብተፈጥራዊ መገዲ ይመጽኡ ከም ዝነበሩ ምፍላጥ እዩ። ንኣብነት፡ ብገለ ናይ ተፈጥሮ ዘይልሙድ ክስተታትን ሕንፍሽፍሽን፡ እቲ ናይ ተፈጥሮ ሚዛን ኪህወኽ ይኽእል እዩ። ካብቲ እዚ ምልውዋጣት ኪፈጥሮም ዚኽእል ተርእዮታት፥ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እሳተ ጎመራ፡ ዘይልሙድ ምቖት ወይ ዛሕሊ፡ ከምኡ’ውን ናይ ህዝብታት ናይ ወራር ወይ ናይ ስደት ምንቅስቓሳት ኪኾኑ ይኽእሉ። 

ከምዚ ዝበለ ኣብ ተፈጥሮ ወይ ኣብ ኣህዛብ ምዝንባላት ዘምጽእ ክስተት፡ ነቶም ቫይረሳት ወይ ባክተርያ ሓድሽ ኩነታትን ተኽእሎታትን ኪፈጥረሎም ስለ ዚኽእል፡ ንሳቶም ኣብ ዚነጥፉሉን ዚባዝሑሉን ኩነታት እቲ ለበዳ ከከም ኩነታቱ ኪኽሰት ይኽእል። 

ቫይረስን ባክተርያን ቅድሚ ሰብ እተፈጥሩ ተህዋሳት እዮም። ንሳቶም እዮም ቅድሜና መጺኦም። ስለዚ ንሕና እምበር ንሳቶም ኣይኮኑን ሃዊኾምና። ይኹንምበር፡ ንኺበልዑ ይኹን ንኺቕመጡ ኪብሉ፡ ይቐትሉና ስለ ዝኾኑ፡ ክንገጥሞም ግድን እዩ። ግን ከምቲ ኩሉ ሰብ ዚብሎ፡ ማሪታውያን መዓታት ወይ መርገማት ኣይኮኑን። ምናልባት መዓት ወይ መርገም ክንብሎም እንኽእል፡ በቲ ኣብ ተፈጥሮ እንፍጽሞ ግጉይ ተግባራትና፡ ባዕላ ተፈጥሮ ሕነ ትፈዲ ስለ ዘላ፡ ብተምሳላዊ ዘረባ፡ ተፈጥሮ ረጊማትና ክንብል ንኽእል።

ወዲሰብ፡ ንተፈጥሮ ዘይተዓደለ ዓቢ ህያብ ኣለዎ። ንሱ ድማ ኣእምሮኡ እዩ። ሽሕኳ ቫይረስን ባክተርያን ብፍላጥ ዘይኮነስ ብዘይፍላጥ፡ ማለት ንኺነብሩ ብማለት፡ ከጥፍኡና ዚፍትኑ እንተ ኾኑ፡ ንሕና ግን ሳላ ሓንጎልና፡ ተመራሚርና፡ ነቲ ንኣታቶም ደው ከብል ዚኽእል መድሃኒታትን ኣፋውሳትን ብምስራሕ ክንምክቶም ንኽእል ኢና። 

ኮቪድ-19 ቅድሚ ሚእቲ ዓመት መጺኡ ነይሩ እንተ ዚኸውን፡ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ምተኾስተረ ነይሩ፡ ከመይሲ ኣብቲ እዋን’ቲ እኹል ናይ ሳየንስ ፍልጠት ወይ ናይ ባክተርዮሎጂ ምርምር ኣይነበረን።

ምናልባት’ውን እዚ ቫይረስ’ዚ ቀደም ዘመን መጺኡስ ስራሑ ኣሳሊጡ ደቂሱ ኪኸውን ይኽእል እዩ። 

ኣብዚ ግን፡ ስለምንታይ ደኣ ንወዲ ሰብ ዘየጥፈኦ ዚብል ሕቶ ኪለዓል ይከኣል። ነዚ ሕቶ’ዚ ዚምልሾ፡ እቲ ሀርድ ኢምዩኒቲ (herd immunity) ዚብሃል ኣምር እዩ። ሓደ ቫየርስ ወይ ባክተርያ፡ ንኺላባዕ ስቕ ኢልካ እንተ ገዲፍካዮ፡ ዝኣኽሎ ሰብ ወይ እንስሳ ምስ ቀተለ፡ ኣብቲ ህዝቢ ሀርድ ኢምዩኒቲ ይፍጠር እዩ፡ ማለት ገለ ካብቶም ከይሞቱ ዚትርፉ፡ ነቲ ናይ ምልባዕ ሰንሰለት ይብንጥሱዎ’ሞ፡ እቲ ናይ ምልባዕ ንጥፈት ይዝሕትል፡ ቀስ እናበለ ድማ ተዳኺሙ ይጠፍእ። 

ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ዘመን ኤውሮጳ እተላበዐ ከም ብላክ ደዝ ዚፍለጥ ለበዳ ማንም ሰብ ኣይምግደፈን፡ እቲ ብ1918 እተላበዐ ስፓኒሽ ኢንፍሉወንሳ’ውን መላስ ኣውያት ኣይምገደፈን። 

ሳላ ሀርድ ኢምዩኒቲ እዩ ኣብ ዝ|ሓለፈ ዘመናትን መዋእላትን ኣብዛ ዓለምና ሰብ ኪተርፍ ክኢሉ ዘሎ። ግን ከኣ ካብ ሀርድ ኢምዩኒቲ ዝለዓለ፡ ብምርምር ዚርከቡ መድሃኒታትን ኣፋውሳትን ማዕዳን ዝያዳ ውጽኢታውያን እዮም። ሳላኦም ድማ ብዙሓት ሰባት ከም መስዋእቲ ከይከፈልና ናብራና ነካይድ ኣሎና። 

ገለ ሃገራት ነዚ ሀርድ ኢምዩኒቲ ኪጥቀማሉ ዚደልያ ይመስላ፡ ግን ከምዚ ምግባር ምስ ህይወት ምጥላዕ ኮይኑ ይረኣየኒ። ብፍላይ ከኣ ነቲ ሕማምን ጠንቁን፡ ውሽጡን ውሻጠኡን ኣጸቢቕካ ዘይትፈልጦ ምስ እትኸውን።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com