Sunday , April 28 2024

ኲባንያ መፍረ መካይን ቮልቮ ሰራሕተኛታቱ ካብ መገሻ ቻይና ይኽልክል።

ኲባንያ መፍረ መካይን ቮልቮ ሰራሕተኛታቱ ካብ ሽወደን ንቻይና ዝገብርዎ ጒዕዞ ክእግድ እዩ ተባሂሉ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድሕሪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ምእዋጁ እዩ። ኣቦመንበር ጨንፈር ንግድ ሽወደን ኣብ ቻይና ላርስ ኣክ ሰቨሪን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ቻይና ዝርከባ ኲባንያታት ሽወደን ኣኼባታተንን ናይ ጒዕዞአንን ምስራዘን ድማ ተሓቢሩ። እቶም ካብ ቻይና ዝምለሱ ሰራሕተኛታት ቮልቮ ውሸባ ( ኳረንቲን) ክግበረሎም ምዃኑ ድማ ሬድዮ ሽወደን ብሰሉስ ጸብጺባ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com