Saturday , April 27 2024
Credit: Christine Olsson/TT

ኲባንያ ቦርድ ኤሪክሰን ካብ ተሓታትነት ምውጻእ ዝብል ሓሳብ ንኻልኣይ ግዜ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።

ወነንቲ ብርኪ፥ ን ቦርድ ኲባንያ ኤሪክሰን ካብ ተሓታትነት ምውጻእ ዝብል ሓሳብ ሎሚ’ውን ንተኸታታሊ ካልኣይ ዓመት
ተቓዊሞሞ። እዚ ድምጺ ዝተዋህበ፥ ብቕድሚ ትማል ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ኣኼባ እቲ ኲባንያ እዩ። ካብ ተሓታትነት ምውጻእ
ፍሉይ እማመ ምምሕዳር ኮርፖሬይት ሽወደን ኮይኑ፡ ኣባላት ቦርድ በቲ ኲባንያን ኣውፈርቱን ከይክሰሱ ዝገብር ኣሰራርሓ እዩ።
ኣብዚ ጒዳይ ኣይፋል ክብሉ ካብ ዘድመጹ ሓደ “ማሕበር ሰብ-ብርኪ ሽወደን” እዩ። ኣይፋል ክብሉ ዘድመጹሉ ምኽንያት፥ እቲ
ኲባንያ ኣብ ዒራቕ እንታይ ከም ዝፈጸመን ውሽጣዊ ጸብጻቡ ኸኣ ንህዝቢ ቃልዕ ከይከውን ዝወሰኑን መን ምዃኖምን ኣዝዩ
ውሱን ሓበሬታ ጥራይ ስለ ዘለዎም ምዃኑ፥ ሓላፊ እቲ ማሕበር ገሊጹ’ሎ።
ኤሪክሰን፡ ኣብ ዒራቕ ን ግብረሽበራዊ ጒጅለ “ዳዕሽ” ጒቦ ብምሃብ ብዝተሓሓዝ ተጠርጢሩ ኣብ ከቢድ ሽግር ምህላዉ ዝፍለጥ
እዩ። እቲ ጸብጻብ ኣብ ምጅማር ናይ ዝሓለፈ ዓመት፥ ጋዜጠኛታት ሕቶታት ከቕርቡ ምስ ጀመሩ እዩ ቃልዕ ወጺኡ። ኲባንያ
ኤሪክሰን፥ ነዚ ጒዳይ ን ሰብመዚ ብዘይምሕባሩ፥ ኣብ ኣመሪካ ቢልዮናት ክሮና ክም መቕጻዕቲ ምኽፋሉን፥ እዚ ድማ ኣብ
ወነንቲ ብርኪ ሻቕላ ምፍጣሩ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com