Friday , May 10 2024

ወተሃደራት ኖርወይ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘጊሖም ኣለዉ ተባሂሉ

ወተሃደራት ኖርወይ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል፡ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እዞም ወተሃደራት፡ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ፡ ደው ብምባል፡ መርመራ ኮሮና ከምዘካየዱን ነጻ ምኳኖም ዝሕብር ሰነዳትን ከቕርቡን ብምሕታት፡ ነቶም ሰነዳት ዘየማልኡ ሰባት ድማ ንድሕሪት ንኽመልሱ እዮም ኣብኡ ዘለዉ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ንፈለማ ግዜ ዝረአ ዘሎ እዩ።

እዚ ተርእዮ፡ ዓቢ ለውጢ እዩ ዝበለ፡ ፒተር ፒርሰን፡ ዝተባህለ ሽወደናዊ ዜጋ፡ ንበዓል ልደት ዝኸውን ህያባት ኣብ መንጎ  ሽወደናዊት ከተማ ጉሩንድፎርሰን (Grundforsen) ኖርወጃዊት ከተማ ስትዋ (Stöa) ዘሎ ዶብ፡ ምስ ስድራ ቤት ክንለዋወጥ ከምዝተገደደ ክብል ንተሌቪዥን ሽወደን ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com