Saturday , April 27 2024
Jonas Ekströmer/TT

ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ናይ ቀረጽ ድጎማ ክረኽቡ እዮም።

ብመሰረት ኣብ መንጐ ኣርባዕቲኦም ሰልፊታት እተገብረ ስምምዕ ናእሽቱ ቢዝነሳት ናይ ቀረጽ ድጎማ ክረኽባ እየን።

ብመሰረት እዚ ኣብ መንጐ ሶሻል ዲሞክራትስ (S)፡ ከባብያዊ(MP)፡ ማእከላይን(C) ሊበራላውን (L) ሰልፊታት እትበጽሐ ስምምዕ ኣስራሒ ሰራሕተኛኡ እንክቖጽር ገለ ካብ ኣታዊ ዝገብሮ ቀረጽ ክጐድለሉ እዩ።

ኣስራሕቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዝቘጽርዎ ሰራሕተኛ ቀረጽ ይኽፍልሉ እዮም። እቲ ካልእ ናይ ኣስራሕቲ ቀረጽ ዝበሃል እዩ።

ብመሰረት እዚ ሓድሽ መንግስቲ እዚ እማመ ኣብ መጀመርታ ዓመት ትግባረኡ ሚእቲ ሚልዮን ክሮነር ዝኸውን ወጻኢ ክሓትት እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ’ሎ።

ዕላማ እዚ ለውጢ ኣብ ናእሽቱ ቢዝነሳት ንዘለዉ ኣስራሕቲ ንምትብባዕን ሰባት ንምቚጻርን እዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com