Tuesday , April 30 2024
Credit: Erik Simander/TT, Lars Schröder/TT och Johan Nilsson/TT

ወንነቲ መካይን ምጒዳል ቀረጽ ነዳዲን ምወላን ክግበረሎም እዩ።

መንግስቲ ንምጒዳል ዋጋታት ነዳዲ፡ ምወላ ኣባይቲ ስድራቤት፡ ከምኡውን ውጥን ምንዋሕ ንከያ ኤለትሪክ ስድራቤታት ንምስላጥ ናይ 14 ቢልዮን ክሮና ሓገዝ ፓኬጅ ኣቕሪቡ’ሎ። ኣብዚ ውጥን ኣብ ልዕሊ ዝተጻረየ ነዳዲን ዘይቲ ዲዘልን ብግዜያውነት ካብ ባሕቲ ሰነ ክሳብ 31 ጥቅምቲ ናይ ቀረጽ ምጒዳል ክግበር ምዃኑን ነፍሲ ወከፍ ወናኒ ኸኣ ንሓንሳብ ጥራይ ናይ 1500 ክሮና ሓገዝ ክወሃብ እዩ።

ብዘይካዚ ኣብ ስሕው ዝበለ ህዝቢ ዝነብረለን ገጠራት ንዘለዉ ወንነቲ መካይን ንሓንሳብ ናይ 1500 ክሮና ሓገዝ ክወሃብ እዩ። እዚ እናኾነ ኣብ ሽወደን ካብ ዝሓለፈ ወርሓ ለካቲት ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ተኸሲቱ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ወርሓ ለካቲት ዝቕባበ ብ 4.5% ክብ ምባሉን እዚ ድማ ድሕሪ ታሕሳስ 1993 ዝተመዝገበ ዝለዓለ መጠን ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

በዚ ድማ ዋጋ ውለድ ክውስኽ እዩ ክብል ኣብ ኖርድ ዋና ተንታኒ ቊጠባ ቶርብዮርን ኢስክሰን ን ኣገልግሎት ዜና ተተ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com