Tuesday , March 19 2024

ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብፖሊስ ሸወደን ተቀቲሉ።

ነባሪ ኤክኸ (Eksjö) ዝኾነ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብረቡዕ 23 ታሕሳስ 2020 ሰዓት 3 ወጋሕታ  ብኣባላት ፖሊስ ሽወደን ብዝተተኾሰሉ ጥይት ሂወቱ ከምዝሓለፈ ማዕከናት ዜና ሽወደን ሓቢረን። 

መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብምኽንያት ሕማም ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ከምዝነበረን ግቡእ መዓልታዊ ሓገዝ ዝረኽበሉ ቦታ ይመላለስ ከምዝነበረን ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ብጾቱ ንኣልኮምፒስ ሚድያ ክፍሊ ትግርኛ ሓቢሮም።

ማዕከናት ዜና ሽወደን ሞት ናይ መንእሰይ ሓበን ኣብ ናይ ስርቂ ፈተነ እንከሎ ዘጋጠመ ምዃኑ ወላ እካ እንተገለጻ ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ወሃብቲ ሓበሬታ ከምዝበለዎ ግን መንእሰይ ሓበን ኣብ ቀጽሪ ናይ ገዝኡ ከሎ ቤትሮ ሴሩ ናይ ስርቂ ፈተነ ይገብር ኣሎ ዝብል ናይ ስልኪ ሓበሬታ ፖሊስ ድሕሪ ምርካቦም  ኣብቲ ቦታ መጽዮም ብዝተኮሱሉ ጥይት ሂወቱ ከምዝሓለፈ ገሊጾም።

ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ስንባደ ከምዘለዉን እዚ ኣብ መንእሰይ ሓበን ዝወረደ ሓደጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍና ክወርድ ዝኽእል ነገር እዩ ብምባል ኣብ ፍርሕን ስግኣትን ከምዘለዎ ገሊጾም። ዝምልከቶም ኣካላት ግቡእ ምርመራ ክገብሩን ሓቀኛ ስእሊ ናቲ ፍጻመ ከቅርቡን ተላብዮም። 

ከምዚ ዓይነት ነገራት ንቀጻሊ ንኸየጋጥም ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ርክብ ብምግባር ንምዝርራብ ነበርቲ እታ ከተማ ዝኾኑ ኤርትራውያን ኮሚቴ መስሪቶም ከምዘለውን ክዘራረቡ ድልዋት ምኻኖም ሓቢሮም ኣለው። 

እልኮምፒስ ክፍሊ ትግርኛ እዚ ጉዳይ ንዝምልከቶም ኣካላት ብምሕታት ምስቶም ኮሚቴ ናይ ምርኻብ መስርሕ ጀሚርና ከምዘለና እንዳሓበርና ኣብዚ ጉዳይ ሕጋዊ ምኽርን ሓገዝን ንምግባር ዓቅሚ ዘለኩም ሰባት ምስ እዛ ተመስሪታ ዘላ ኮሜቴ ብምርኻብ ሓገዝኩም ከተበርክቱ ንላቦ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com