Sunday , April 28 2024

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ንኹሎም ሽወደናውያን ናብ ውሱናት ከተማታት ቻይና ንኸይገሹ ይመክር።

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ንኹሎም ሽወደናውያን ናብ ቻይና ብፍላይ ድማ ናብቲ ክሮና ቫይረስ ተዘርጊሑሉ ዘሎ፡ ከተማ ዎሃንን ምምሕዳር ሆቢን፡ ንኸይገሹ ይመክር። ኣብዘን ተጠቒሰን ዘለዋ ቦታታት ቻይና ክንደይ ሽወደናውያን ከምዘለዉ ንጹር ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ፡ ዋሃብ ቃል ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ኢሪክ ካርልሶን ትማሊ ሰንበት 26 ጥሪ 2020 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ። በዓል መዚ ጥዕና ቻይና ነዚ ናይ ቫይረስ ምስፍሕፋሕ ንምቁጽጻር ዝወሰዶ ስጉምቲ እኳ እንተሃለወ፡ ንኣገዳስነት ናብቲ ከባቢ ዘይምጋሽ ኢሪክ ካርልሶን ኣትሪሩ ኣዘኻኺሩ። ኤምባሲ ሽወደን ኣብ በይጂንን ወጻኢ ጉዳያትን ምስቶም ኣብቲ ዝተጠቕዐ ከባቢታት ዝቕመጡ ሽወደናውያን ከም ዝተራኸቡ ብተወሳኺ ገሉጹ። ብዙሓት ጎረባብቲ ሽወደን ዝኾና ሃገራት ከም ደኒማርክ፡ ኖርወይን ካልኦት ሃገራትን ንዜጋታተን ናብተን ተጠቒዐን ዘለዋ ከተማታት ቻይና ንኸይገሹ ኣዘኻኺርን ኣለዋ። ነቶም ኣብ ቻይና ዝርከቡ ሽወደናውያን ዜጋታት ንምውጻእ ብወገን ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን ዝተታሕዘ መደብ ከምዘየለ እቲ ሚኒስትሪ ኣረጋጊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com