Monday , April 29 2024

ዋንጫ ኣፍሪቃ . . . ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ብዘጋጠመ ጽቅጥቅጥ፡ ሰባት ይሞቱ

ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ፡ ብውሕዱ 8 ሰባት ምሟቶምን ብዓሰርተታት ዝቚጽሩ ድማ ከም እተጐድኡን ተገሊጹ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሩን፡ ያውንዴ፡ ኣብ ዝርከብ ፖል ቢያ ስታድዬም ንምእታው፡ ሰባት ክጸቓቐጡ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ ተፈንዩ’ሎ። ብሰንኪ እዚ ትራጀዲ ካብ ዝሞቱ ሰባት ሓደ ህጻን ምዃኑ ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ AFP ጸብጺቡ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ካልኦት ህጻናት ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ኣለዉ። ስታድዬም ፖል ቢያ 60ሽሕ ሰባት ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እኳ እንተሃለዎ ብምኽንያት ቀይዲታት ኮቪድ ካብ 80% ዓቕሙ ንላዕሊ ክሕዝ ከም ዘይብሉ እዩ ተሓሲቡ ኔሩ። እንተኾነ ግና ክሳብ 50 ሽሕ ዝኾኑ ተዓዘብቲ ኣብቲ ስታድዬም ከም እተረኽቡ እዩ ዝግለጽ።

ፈደሬሽን ኲዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብዛዕባ እዚ ዘሕዝን ፍጻመ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ምህላዉ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com