Monday , April 29 2024
Oil field in Odessa, Texas, USA. ( foto: Eli Hartman / AP/TT)

ዋጋታት ነዳዲ የንቆልቊል

ካብ ወርሒ ግንቦት፤ ንደሓር ዋጋታት ነዳዲ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከቡ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ምውሳኽ ዋጋ ዶላርን ኩነታት ኮቪድ-19 እዮም ተባሂሉ።

 

ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ: ሎሚ ንግሆ 2.5% ብምጒዳል ናብ $66.51 ወሪዱ’ሎ። ኣሜሪካዊ ኩባንያ ነዳዲ WTI ብወገኑ: ናይ 3% ምጒዳል ዋጋ ብምርኣይ: ዋጋ ሓደ በርሚል ነዳዲ: ብ $63.50 ይሽየጥ ምህላዉ ተገሊጹ።

ኩባንያታት ነዳዲ WTI ን Brent Oil ን ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልታት ምጒዳል ዋጋ ነዳዲ ኣርእዮም ኣለዉ። ዳግማይ ተርእዮታት ምስፍሕፋሕ ኮቪድ-19: ዝያዳ ኣሻቓሊ ኣብ ዝኾነሉ ዘሎ እዋን: ምስ ምውሳኽ ዋጋ ዶላር ተደሚሩ ንዋጋ ነዳዲ ከም ዘንቈልቊል ይገብር ምህላዉ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ: ኩባንያታት ነዳዲ Africa Oil ከምኡውን Ludin: ናይ 4% ምጒዳል ዋጋ ብምርኣይ በዚ ኲነታት ብዝኸፍአ ከም እተጸልዋ ገሊጹ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com