Monday , April 29 2024
A new record for the price of diesel makes it even more expensive to fill the tank. Foto: Fredrik Persson / TT kod 1081

ዋጋታት ናይ ናፍታ፡ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ይዓርግ

ኣብ እንዳ መዐደሊ ነዳዲ፡ ኣለው ዝተባህሉ ነጋዶ፡ ዝርዝር ዋጋታት ናይቲ ዝሸጡዎ ቤንዚንን ናፍታን ይውስኹ ምህላዎም ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።
ዋጋ ናይ ናፍታ ብ20 ሳንቲም ብምውሳኽ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተሰሚዑ ብዘይፈልጥ መልክዕ ናብ 21.27 ክሮኖር ልዕል ክብል ከምዝኾነ ተሓቢሩ። ኣብ መዐደሊ ነዳዲታት Cirkle K ን Preem ንዋጋ ናይ 95- octane ቤንዚን ብ20 ሳንቲም ወሲኹ ናብ 18.49 ንሊትሮ ክብ ክብል ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
ዋጋ ናይ ባዮፊውል (HVO100) ድማ ብ20 ሳንቲም ወሲኹ ናብ 24.97 ክሮኖር ንሊትሮ ክብ ዝበለ ክኸውን ከሎ፡ ዋጋ ናይ E85 (ethanol) ብ35 ሳንቲም ወሲኹ ናብ 16.09 ክሮኖር ንሊትሮ ኮይኑ ኣሎ።
ዋጋታት ናይ ዲዝል ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ዲዝል ዝተገብረ ናይ ቀረጽ ወሰኽ ኣብ መእተዊ ናይዚ ዓመት ሃንደበት ዝወሰኸ ኮይኑ፡ እቲ ናይ ምንካይ ግዴታ ድማ ካብቲ ዝነበረ 26% ናብ ናይ ልዕሊ 30% ክብ ምባል ምስዝጽውዑ ጠለባት ተተሓሒዙ ኣብቲ ልዕሊ ዘለዎ ዝገደደ ክሽንቆቕ ከምዝተገብረ ተሓቢሩ’ሎ።
እቶም ኣብ ልዕሊ ቀረጽ ናይ በንዚንን ናይ ምንካይ ግዴታን’ውን ካብ መእተዊ እዚ ሓድሽ ዓመት ክውስኹ ክምዝተብሩ ዝዝከር’ዩ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 31 ዓመተ 2021 ብብርኪ ዓለም ዋጋ ናይ ዘይተጻረየ ነዳዲ ሃንደበት ካብ 78$ ንበርሚል ናብ 88$ ክብ ምባሉ ዝዝከር እዩ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com