Monday , April 29 2024
Prices on the rise again Foto: Tomas Oneborg / SvD / TT / Kod: 30142 ** OUT DN, Dagens Industri (även arkiv) **

ዋጋታት ኣባይቲ፡ ይውስኽ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ ዋጋታት ኣባይቲ፡ ከም እንደገና እናወሰኹ ይመጹ ምህላዎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሓት ሰነን ሓምለን፡ ዋጋታት ኣባይቲ ክጎድል ከምተራእየ ዝዝከር እዩ። ኣብ ምጅማር ናይ ወቕቲ ክረምቲ፡ ማለት ወርሒ ሓምለ፡ ዋጋታት ኣባይቲ ብ0.2% ምጉዳሉ ስታትስቲካዊ ጸብጻባት ቫልዩጋርድ፡ ይሕብሩ። ዋጋታት ናይ ቪላታት ውን ክውስኹ ከም ዝተራእዩ፡ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መዐቀኒ ቫልዩጋርድ፡ ኣብተን ኣብ ስቶክሆሎምን ዮቶቦሪን ዝርከቡ ኮንደሚንዮማት ዘቕነዐ ምዃኑን ኣብ ቀዳምይ ፍርቂ ናይ ወርሒ ነሓሰ፡ እቶም ዋጋታት ናይ ኣባይቲ፡ ምስቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ0.7% ኣብ ስቶክሆሎም ብ0.6% ድማ ኣብ ዮቶቦሪ ወሰኽ ከምዘርኣዩ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ዋጋታት ኣባይቲ ብ 14%፡ ዋጋታት ናይ ኮንዶሚንዮም ብ 9%፡ ዋጋታት ቪላታት ድማ ብ 17% ወሰኽ ከምዘርኣዩ፡ እቶም ጸብጻባት ሓቢሮም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com