Sunday , April 28 2024
The lack of rain contributes to higher electricity prices, according to Vattenfall. Foto: Erik Simander / TT / kod 11720

ዋጋታት ኤሌክትሪካዊ ጸዓት፡ ኣብ ዝቕጽል ቀውዒ፡ ክውስኽ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ኣብ ዝቕጽል ወቕቲ ቀውዒ ከጋጥም ዝኽእል ልዑል ዋጋታት ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ንምውጋድ፡ ክሊማዊ ለውጢ ክህሉ ኣገዳስነቱ ዓቢ እዩ ክብል ኩባንያ ቫተንፎል ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ወቕቲ ክረምቲ፡ ዋሕዲ ዝናብ፡ ንፋስ ከምኡ ውን ምሕዳስ መደበር ኑክሌራዊ ጸዓት ተደሚርዎ፡ ዋጋታት ኤሌክትሪካዊ ጸዓት፡ ንክውስኽ ጠንቂ ከምዝኾኑን፡ ሕጂ ውን፡ ዋጋታት ክውስኹ ድማ ተኽእሎታት ከምዘሎ እቲ ኩባንያ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ሃይድሮኤሌክትሪክ፡ ተወሳኺ መጠን ዝናብ የድሊ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ወቕቲ ቀውዒ ዝዘንብ መጠን ዝናብ፡ ንዋጋታት ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ስለዝጸልዎ፡ ኣብ ከባቢ ኖርዲክ፡ ዝናብ እንተዘይሃሪሙ፡ ዋጋታት ጸዓት ክውስኽ ከምዝኽእል ጸብጻባት እቲ ኩባንያ ገሊጾም። ኣብ ወቕቲ ቀውዒ፡ ዝናብ ክሃርም ትጽቢት እኳ እንተሃለወ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ደሪቑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com