Friday , April 26 2024
Science Photo Library/TT

ውጥረት

ብዙሕ ሓሳባት ኣለካ’ዶ? ምዕራፍ ትስእን’ዶ ? ብቐሊሉ ’ዶ ትቑጣዕ ? መልሲ እወ አንተኾይኑ ምናልባት ኣብ ውጥረት ክትህሉ ትኽእል ኢኻ ።

ውጥረት ንኣካላትካ ይኣስሮ። ህርመት ልብን እስትንፋስን ከቐልጥፍን ይኽእል ።

ውጥረት ገለ ነገር ኣይክእሎን እየ ኢልካ ክትሻቐል ከለኻ ክመጽእ ይኽእል፡ ንኣብነት ፈተና ኣብ ቤት ትምህርቲ። ውጥረት ኩነታትካ ከመይ ከም ዝክኸውን ክትፈልጥ ብዘይምኽኣልካ ክመጽእ ይኽእል። ምክንያት ናይ ውጥረት ገለ ዘፍርሓካ ነገራት ብምህላው እውን ክኸውን ይኽእል። ምትካኽ ሽጋራ ዝያዳ ክትዋጠር ክገብር ይኽእል ። ምኽንያቱ ከይፈለጥካ’ ውን ክትዋጠር ትኽእል ። 

ሓደ ሓደ ጊዜ ክትዋጠር ጽብቕ እዩ፣ ከም ኣብነት ሓደ ነገር ቐልጢፍካ ክትገብሮ ምስ ትደሊ ። ብድሕሪኡ ግን ከተዕርፍን ሓይልኻ ክትመልስን የድልየካ ። ተደጋጋሚ ምውጣር ጉሁይ ክገብረካን ንኣካላትካ ውን ሓደገኛ ክኸውንን ይኽእል ።

ተዋጢርካ እንተ’ለኻ ኾንካ ነዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል 

  • ንዓርክኻ ወይ ንዝኾነ ትፈልጦ በጽሒ ከመይ ከም ዘሎኻ ኣካፍሎ ። እዚ ብዙሕ ግዜ ጽቡቕ ንክስምዓካ ይገብር ። 
  • ጽቡቕ ክትምገብን ክትድቕስን ፈትን።
  • ተንቀሳቐስ፣ ንኣብነት ብእግርኻ ተዛወር ወይ ኣካላዊ ምንቅስቃስ ግበር።
  • ትፈትዎ ነገር ግበር፣ ንኣብነት ምስ የዕሩኽትኻ ምዃን ወይ ሙዚቃ ምስማዕ።
  • ከም ተዕርፍ ዝገብር ዝ ሰማምዓካ መንገዲ ርኸብ። ንኣብነት ናይ እስትንፋስ ምቑጽጻር – ልምምድ ፈትን።
  •  ስለምንታይ ተዋጢርካ ከም ዘለኻ ሕሰብ። ገለ ባዕልኻ ክትቕይር ትኽእል’ዶ ? ዝመጹልካ ሓሳባት ጽሓፎም።
  • ተትክኽ ዲኻ? ከተቋርጾ ፈትን።

ምንጪ: Youmo


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com