Monday , April 29 2024

ዒርዶጋን፥ “ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ እተገብሮ ምምልካት ኣባልነት ካብ ቱርክ ደገፍ ክትጽበ የብላን”

ሽወደን ን ኣባልነት ኔቶ ካብ ቱርክ ድጋፍ ክትጽበ ከም ዘይብላ ፕረሲደንት ጠይብ ኤርዶጋን ትማል ሰኑይ ኣጠንቂቑ። ንሱ ነዚ ዝበለ፡ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ–ስቶክሆልም–መጽሓፍ ቊርኣን ድሕሪ ምቅጻሉ እዩ። ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ሽወደን ንኣባልነት ኔቶ ሕቶ እኳ እንተቕረበት፡ ተቐባልነት ቱርክ ከም ዘይረኸበት ዝዝከር እዩ። ብፍላይ ድማ ተቓወምቲ ዔርዶጋን ዝኾኑ ኲርዳውያን፡ ኣብ ሽወደን ን ምስሊ ዔርዶጋን ካብ ህንጻ ድሕሪ ምንጥልጣሎም፡ ከምኡ’ውን ብ ፓሉዳን ድሕሪ እተኻየደ ምቅጻል ቊርኣን፡ እዚ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ መሊሱ ተጋዲዱ ቀጺሉ’ሎ።

በዚ ድማ “ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ እተገብሮ ምምልካት ኣባልነት ካብ ቱርክ ደገፍ ክትጽበ የብላን” ክብል ዔርዶጋን ኣጠንቂቑ’ሎ።

“ሽወደን ሰፊሕ መሰል ፕረስን ምግላጽ ሓሳብን ዘለዋ ሃገር እያ፡ እዚ ማለት ግና ኲሉ ኣብ ሽወደን ዝግበር ኣገባብ ምግላጽ ሓሳባት መንግስቲ ሽወደን ይድግፎ እዩ ማለት ኣይኮነን” ክብል ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶቢያስ ቢልስትሮም ገሊጹ’ሎ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com