Monday , April 29 2024
WHO Europe Director Hans Kluge believes that the pandemic may be ebbing in Europe.(AP Photo/Gregorio Borgia, FILE) WRC110

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና . . . ኣብ ኤውሮጳ ተኸሲቱ ዘሎ ለበዳ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክውዳእ ይኽእል እዩ

እቲ ብጅር ኦሚክሮን ዝሰዓበ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮቪድ፡ መዛዘሚ ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ፡ ዝተራእየ ለበዳ ኮቪድ ክኸውን ተኽእሎታት ኣሎ ክብል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ክሳብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣስታት 60% ካብ ህዝቢ ኤውሮጳ፡ ብጅር ኦሚክሮን  ክልከፍ ከምዝኽእል ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ጨንፈር ኤውሮጳ ዝኾነ ሃንስ ክሉግ ድሕሪ ምግላጹ፡ እዚ ድማ፡ እቲ ዞባ፡ ናብ ምዝዛም ምዕራፍ ናይዚ መልከፍቲ እንዳተቓረበ ይኸይድ ከም ዘሎ እዩ ዘመላኽት ሓቢሩ። 

ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት ወይ ድማ ኣዋርሕ፡ ኣንጻር እቲ መልከፍቲ፡ ዓለምለኻዊ ዝኾነ ተጻዋርነት ክጠሪ ከምዝኽእል ውድብ ጥዕና ዓለም ኣሚቱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዓለም ዝተራእየ መልከፍቲ ናይ ጅር ኦምክሮን ስዒቡ፡ ብዙሓት ተኸቲቦም ወይ ድማ በቲ ቫይረስ ድሮ ተለኺፎም ክኾኑ ስለዝኽእሉ ከምዝኾነ እዩ ተሓቢሩ ዘሎ።

ሕማም ኮቪድ-19፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ገጹ ቅድሚ  ምምላሱ፡ ንዝተወሰነ እዋን፡ ዝተረጋገአ ግዜ ከጋጥም ትጽቢት ኣሎ። ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ ዋላ’ኳ ሕማም ኮቪድ-19 እንተተመለሰና፡ ብመልክዕ ለበዳ ከይከውን ይኽእል እዩ ክብል ወሲኹ ኣሚቱ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ፡ ኣብ ልዕሊ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዝተገብረ ጸብጻብ ከምዝሕበሮ፡ እቲ ናይ ኦሚክሮን ጅር መልከፈቲ ካብቶም ዝተመዝገቡ መልከፍቲታት ናይ 15% ዝኸውን ከምዝሽፍን ተረጋጊጹ’ሎ። ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰሙን፡ እቲ ቁጽሪ 6% ከምዝነበረ ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com