Sunday , April 28 2024
(AP Photo/Tashi Sherpa)

ዓለምና ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ መጠን ሙቐት ትኸይድ ኣላ ተባሂሉ

መጠን ሙቐት ንምጒዳል ብተደጋጋሚ ቃል እኳ እንተተኣትወ: እቲ ሓቂ ግና ዓለምና ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ መጠን ሙቐት ትኣቱ ምህላዋ እዩ ክብል BBC ን ዳህሳስ UN ብምጥቃስ ኣመልኪቱ። እዚ ዳህሳስ UN ንውጥን ክሊማ 100 ዝኾና ሃገራት ድሕሪ ምጽናዕ ዓለምና ናብ ግጒይ ኣንፈት ትኸይድ ምህላዋ ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ሓደጋ ክውገድ እንተደኣ ኮይኑ ምፍናው ካርቦን ኣብ 2030 ናይ 45% ምጒዳል ከርኢ ኣለዎ ክብሉ እዞም ክኢላታት ሓቢሮም ኣለዉ። እንተኾነ በዚ መጠን ክጎድልስ ይትረፍ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ዝህሉ መጠን ምፍናው ካርቦን ብ 16% ክውስኽ ከም ዝኽእል እዩ እዚ ሓድሽ ዳህሳስ ዝሕብር ዘሎ። እዚ ኲነታት ከም ዘለዎ እተቐጺሉ ሙቐት ዓለምና ብ 2.7°C ክውስክ ከም ዝኽእልን እዚ ድማ ንማሕበረሰብ ዓለም ናይ ባዕሉ ሓደጋታት ሒዙ ከም ዝመጽእን እዞም ክኢላታት ብኣጽንኦት ኣጠንቂቖም ኣለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com