Wednesday , May 1 2024

ዓለምና ዓሚ 117 ጊጋዋት ሓድሽ ጸዓት ንፋስ ተኺላ

ዓለምና ኣብ 2023 117 ጊጋዋት ሓድሽ ዓቕሚ ሓይሊ ንፋስ ምትካላ፡ እዚ ድማ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመታት እንክወዳደር ብ50% ዝዛይድ ምዃኑ ተሓቢሩ። እዛ ዓመት ኣብ መዝገብ ንሓደስቲ ፕሮጀክትታት ንፋስ ዝበለጸት ከምዝኾነት ብማሕበር ንግዲ እቲ ኢንዱስትሪ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ብሰሉስ ብዓለማዊ ቤት ምኽሪ ጸዓት ንፋስ ዝተሓትመ ጸብጻብ ዓለማዊ ንፋስ፡ ኢንዱስትሪ ንፋስን ኣብ ምስፍ ፋሑ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ንድህሳስ ዓሊሙ ዝተኻየደ እዩ። ምውሳኽ ጸዓት ንፋስ “ዓለም ኣብ ምቅላስ ለውጢ ክሊማ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ትኸይድ ከምዘላ ዘርኢ እዩ” ይብል እቲ ጸብጻብ። እቶም ኣዳለውቲ ኢንዱስትሪ ንፋስ ነቲ ኣብ 2030 ኣብ ዓለም ዝተተኽለ ዓቕሚ ምፍራይ ተሓዳሲ ጸዓት ብሰለስተ ዕጽፊ ንምዕባይ ዝኣተዎ መብጽዓ COP28 ንምምላእ፡ ስምምዕ ፓሪስ ንምዕባይ፡ ክሳብ 2030 ዓመታዊ ዕብየቱ ናብ 320 ጊጋዋት ክውስኽ ከምዘለዎ፥ በዚ ድማ ዋዒ ዓለምና ኣብ 1.5 ዲግሪ ሼልሴስ ክዕገት ምግባር ከም ዝከኣል ገሊጹ’ሎ። “ዕብየት ኢንዱስትሪ ንፋስ ክንድዚ ኣቓልቦ ምርካቡ ጽቡቕ’ዩ፡ ሓድሽ ዓመታዊ ክብረወሰን ብምብጻሕና ድማ ዘሐብነና እዩ” ዝበለ ዋና ኣካያዲ ስራሕ GWEC ቤን ባክዌል፡ “እንተኾነ ዝያዳ ዕብየት ንምምጻእ ዝያዳ ክስራሕ ኣለዎ” ኢሉ። ንፋስ “ከም ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ዘምጽኦ ረብሓ ኣብ መላእ ዓለም ተቐባልነቱ እናዓበየን እናተመስገነን እዩ ዝኸይድ ዘሎ” ይብል ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ጽላት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኬንያ ጆርጅ ኣሉሩ። እዚ ወሰኽ ቀረብ ተሓዳሲ ጸዓት ምስ ምርግጋጽ ዘላቒ ልምዓት ዝሰማማዕ ዕላማታት ክሊማ ዝድግፍዩ ኢሉ። ዓለምለኻዊ ድምር ዓቕሚ ሓይሊ ንፋስ ሕጂ ብድምር 1021 ጊጋዋት በጺሑ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com