Tuesday , April 30 2024
(AP Photo/Burhan Ozbilici) ANK128

ዔርዶጋን–“ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ደገፍ ኣይክንህብን ኢና”።

ቱርክ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ክትድግፍ እያ ዝብል ትጽቢት ብወገን ሽወደን ክህሉ ከም ዘይግባእ ዔርዶጋን ገሊጹ። ንሱ ትማል ብቕድሚ ምሸት ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ቱርክ፡ ድሕሪ እተኻየደ ምቅጻል ቊርኣን እዩ።  ሕሉፍ የማናዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን ነዚ ኣዘራራቢ ሰልፊ ከም ዝመርሖ ዝፍለጥ እዩ።

ፊንላንድን ሽወደንን ብሓባር ኣባላት ኔቶ ንምዃን ሕቶ ምእታወን ዝዝከር እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ፊንላንድ ፔካ ሃቪስቶ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ን መራኸቢ ብዙሃን ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፊንላንድ ነዚ ሕቶ በይና ክትደፍኣሉ ከም እትኽእል ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com