Monday , April 29 2024

ዕድል ድዩ? ሓቐኛ ዛንታ ቐዳማይ ክፋል

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም
ከምዛ ዛንታ ገይሩ ዘደንገጸንን ዝደንጸወንን የለን፡ ህይወት ፈተና እያ፡ ነዛ ሓፍትና ዘጋጠማ መሰናኽል ህይወት ድማ፡ ዘገርምን ዘሰንበድን እዩ፡ ብዓቢኡ ድማ መሃሪ ዛንታ እዩ ዘለዋ፡ ሃንደበት ኣብ ሞባይለይ ብምድዋል እያ ብቖጸራ ረኺባ ዛንትኣ ኣዕሊላትኒ፡ ዘንብዕ ታሪኽ እዩ ዘለዋ፡ ካብ ፈለማ ክትሰምዖ ዘደንጹ ዛንታ።
ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ እያ፡ ናብ ተንቓሳቓሲ ቴለፎነይ ደዊላ ረኺባትኒ፡ እታ ገርሂ ጓል ሄዋን—
“ሰላም ከመይ ውዒልካ?” ቅጥን ዝበለ ድምጺ ጓል ኣንስተይቲ ተዳህየኒ።
“ሰላማት’ዛ ሓፍተይ፡ መን ክብል?” ምቕልል ኢለ ተወከስኩዋ።
“ንዓይ’ኳ ኣይትፈልጠንን ኢኻ። ቁጽሪ ተሌፎንካ ካብ ሓደ ቦታ ወሲደ’የ ዝድውለልካ ዘለኹ፡” ኣዛራርባኣ ብትሕትና ዝተዓብለለ ንልቢ ዝሰልብ ህዱእ ሙዚቃ ይመስል ብምንባሩ፡ ተገዲሰ ይሰምዓ ምንባረይ ንምሕባር ድምጸይ ኣበርኽ ኣቢለ፡ “ሕራይ ቀጽሊ እሰምዓኪ ኣለኹ፡” በልኩዋ።
“ዓለም ዕጫ ድያ ምርጫ?” ስማ ከይነገረት ድቦላ ሕቶ ሰንደወትለይ። ኣብ’ቲ ኣዋጣሪ እዋን ሕቶኣ ክምልስ ዓቕሚ ስኢነ ድምጸይ ኣጥፋእኩ።
“እንታይ ደኣ ትም ኢልካ? ሕቶ ኣኽቢደልካ ድየ?” ከይመልሰኩ እዋን ስለ ዘሕለፍኩ ካብ’ቲ ኣትየዮ ዝነበርኩ ሓሳብ ከተገላግለኒ ፈተነት።
“ሕቶ’ኳ ኣየኽበድክለይን፡ ግና ሓሲብካ ትምለስ ብምዃና’የ ክሓስብ ጸኒሐ። ይቕሬታ ግበርለይ እምበር
ኣይፈለጥኩኽን።”
“ሓቅኻ ኣይትፈልጠንን ኢኻ፡ እንተኾነ ንዓለም ብዕጫ ዲና ንኸዳ ብምርጫ ክምለሰለይ ዘይከኣለ ሕቶ ስለዝኾነኒ’የ ክሓተካ መሪጸ፡” ገና ስማ ከይነገረትኒ ተዋጥረኒ ብምንባራ ብሰንፈላል ከም ዘንሳፍፍ ገበረትኒ።
“ሓብተይ መዓረይ፡ መጀመርታ’ሞ ኣበይ ከም ንፋለጥ ንገርኒ ሽዑ ሕቶኺ በቲ ኣነ ዝመስለኒ ክምልሰልኪ።” ድምጸይ ኣበርኽ ኣቢለ ከረድኣ ፈተንኩ።
“ጸገም የለን፡ ስመይ ሰላም’የ ዝብሃል። ኣብ ኣስመራ’የ ዝቕመጥ። ክፈትሖ ዘክእል መሰናኽል ናይ ህይወት ገጢሙኒ። ዓለም ድቦላ ዝኾነ ዘይተጸበኹዎ መከራ ሰንድያተለይ። እመን ኣይትእመን ዓለም ብምርጫኻ ትኽየድ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ፡ ሕጂ ግና ብዕጫኻ ከም ዝኽየድ ፈሊጠ። ምርጫ ናተይ ዝበጽሓኒ ዕጫ ድማ በንጻሩ ፋሕ ፋሕ ዝበለ’ዩ በጃኻ…”
“እሰምዓኪ ኣለኹ ቀጽሊ’ባ፡ ሄለው….” ኣብ ዝተኾለፈ ሓሳባት ኣንጠልጢላትኒ ብምቁራጻ ስልጥ ኢለ ድሃያ ክገብር ቀሰበኒ።
“እወ እንታይ ድዩ መሲሉካ? ዘጋጠመኒ ጥውይዋይ መንገዲ’ዩ። በጃኻ ምርዳእ ስለ ዝኣበየኒ’የ ዓቕለይ ጸቢቡኒ ዝድውለልካ ዘለኹ። ገሪሙኒ በቃ ገሪሙኒ!” ብድምጻ ጥራይ ኣብ ጸገም ከም ዘላ ክግምት ፈተንኩ። “ሰላም ነብሲ ዘጋጠመኪ’ሞ ሓብርኒ ዝፍታሕ እንተኾይኑ ሓቢርና ንፈትሖ። መጀመርታ ኣበይ ኢና ንፋለጥ?” ስማ ጠቒሰ ክፈልጣ ተሃንጥየ ከም ዘለኹ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ክሕብራ ፈተንኩ።
“ምፍላጥ’ሞ ኣይንፋለጥን ኢና። እንተኾነ ግና ኣብ ገለ ኣጋጣሚ ተረኣኢና ስለዘለና ኣነ እፈልጠካ’የ። ንስኻ ኢኻ ዘይትፈልጠኒ። ብዝኾነ ሕጂ ኣብ ጸገም ተላሊና ኣለና። ኣብ ከቢድ ጸገም’የ ዘለኹ። እመን ኣይትእመን ማራ ሽኮሪና ጓል’የ። ዝያዳ ምስ ረኣኻኒ ክትኣምን ኢኻ። ቁሩብ ርጉድ ዝበልኩ ቀያሕ’የ። እንታይ’ሞ መልክዕ እንድዩ’ሞ ምሉእ ሰብ ዘይገብረካ ኮይኑ፡” በለት።

“ሰላም ሓፍተይ ዝተቖራረጸ ሓሳባት እናኣምጻእኪ ፋሕ ፋሕ ኣእቲኽለይ። እቲ ክትብልኒ ብጋህዲ እንተተዕልልኒ ደስ ምበለኒ። ኣነ ድማ ከይተሰከፍኩ ዝመስለኒ ሓሳባት ምሃብኩኺ። ከምዚ ተዕልልኒ ዘለኺ ዝተቖራረጸ ሓሳባት ግና ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና፡” ብሓውሲ መግናሕቲ ነጻ ኮይና ከተዕልል ተወከስኩዋ።
“ጸገም የለን፡ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዩ መርዓይ ተቖጺሩ ዘሎ። ብኸመይ ፋሕ ክብል ኣለዎ’የ ዝሓስብ ዘለኹ።”
“እዋእ!” ኮለፍኩዋ።
“በቃ ንሱ’ዩ እቲ ሓቂ። ትምኒተይ ካልእ ዘጋጠመ ካልእ ብምዃኑ ክስርዞ ወሲነ’የ።”
“ስለምንታይ’ሞ ትስርዝዮ? ወይ ካብ መጀመርታ ክትኣትውዮ ኣይነበረክን። እንድሕር ኣቲኽዮ ድማ ወርሒ ምስ ተረፎ ንምንታይ ተቋርጽዮ?” ክገንሓ ፈተንኩ።
“ኣታ ወዲ መርዓይ ክርኢ ደኣ ሃረር እንድየ ዝብል ነይረ። እንተኾነ ግና …”
“እሂ?” ዕድል ከይሃብኩ ውትፍ በልኩዋ።
“ጸገም’ዩ በጃኻ…” ሃንደበት ሕንቕንቕ ብምባል ክትነብዕ ሰማዕኩዋ።
“ሰላም ንምንታይ ትነብዒ? ብዝዀነ ኣብ’ዚ ዘለኽዮ ኲነታት ክንረዳዳእ ስለ ዘይንኽእል ብኣካል እንተንራኸብ ምበለጸ። ትሰምዕኒ ኣለኺ…” ድምጺ ስለ ዘጥፍአት ድሃያ ክገብር ተቐሰብኩ። “ጸ…ጸ…ጸገም የለን፡ ክንራኸብ ንኽእል ኢና። በዛ ቁጽሪ ሞባይለይ ጽባሕ ደውለለይ” እናተነኽነኸት ተሌፎና ዓጸወታ። ኣብ ጫሌዳ ሓሳባት ገዲፋትኒ ተሌፎን ምዕጻዋ ሕማቕ እናተሰምዓኒ ንጽባሒቱ ክረኽባ ተሃንጠኹ።


ህንጡይነተይ በሪኹ ዳርጋ ሰለም ከየበልኩ’የ ነታ ምሽት ኣውጊሐያ። ዝሓተተትኒ ኣዋጠርቲ ሕቶታት እናሻዕ ኣብ ኣእምሮይ እናተመላለሱ ስለ ዝረበሹኒ ንምርካባ ሓያል ባህጊ ኣሕደርኩ። ኣንጊሀ’ኳ ክድውለላ ሓሲበ እንተነበርኩ፡ ሓድሽ ሌላ ስለ ዝኾነኒ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ’የ ደዊለላ። ኣብታ ዕለት ድማ ሰዓት ሸውዓተ ድሕሪ ቀትሪ ክንራኸብ ተቛጺርና ተፈላለና።
ሰዓታት ቆጸራና እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ማዕረ ማዕረኡ ሻቕሎተይ እናዛየደ መጺኡ። ሽኮሪና ጓል’የ፡ ዓለም ዕጫ ድያ ምርጫ? ወዘተ ዝብላ ቃላት እንታይ መልእኽቲ ክህሉወን ይኽእል? እናበልኩ ብዙሕ ተመራመርኩ።
ከም ቆጸራና ልክዕ ኣብ ሰዓትና ክንራኸብ ከለና፡ ሰላም ከም’ቲ ንመልክዓ ዝገለጸቶ ወናኒት ብሉጽ መልክዕ ምዃና ክምስክር ግዜ ኣይወሰደለይን።
“ከመይከ?” ሌላና ፈላሚ ብምንባሩ እንተፈኾሳ ብምባል ፍሽኽታ ሓዊሰ ሰላም በልክዋ። ኣብ ቀጽሪ ህዝባዊ ቤት ንባብ ኣብ ዝርከብ ኮፍ ኢልና ምንባርና፡ ካብ ሕፍረት ድዩ ካልእ ምኽንያት ንዝነበረ ዛሕሊ ግዲ ዝገበርናሉ ኣይንመስልን።
“እወ፡ እንታይ ድየ ከተማኽረኒ ደልየ መስለካ። ኣብ ጉዕዞ ህይወተይ ሓደ ራኢ ሒዘ’የ ዝጉዓዝ ነይረ። ብሕንቃቐ ዓብየ። ከም ኣተዓባብያ ድማ ኣብ ህይወተይ ምልእቲ እምበር ጎዶሎ ከይከውን ማራ’የ ዝጥንቀቕ። ነቲ ዝነበረ ጸጥታ ዕላል ብምጅማር ተርብዓቶ።
“ንስድራይ ንምሕጓስ ዘይገብሮ ነገር የብለይን። ኣቦይ ናይ ጥዕና ጸገም ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ርእሲ ጸገሙ ጸገም ክኾኖ ድልየት የብለይን፡” ብዝንታ ተዋሒጣ ስቕ በለት።
“ከመይ ማለትኪ’ዩ?” ግር ከም ዝበለኒ ካብ ኣጠማምታይ ዝተረድአት ኮይኑ ተሰምዓኒ።

“መርዓይ ሓደ ወርሒ’ዩ ተሪፉዎ። ምሳይ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ዝዞረ ኣፍቃሪ ኣለኒ። ሕጸ’ኳ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኢና ፈጺምናዮ። ብዘይ ብእኡ ምንባር ንዓይ ከንቱ’ዩ። ሕጂ ግና እቲ መርዓ ክስርዞ ወሲነ…” ናብ ስግረይ ብምጥማት ብሓሳብ ተዓዝረት።
“ትፈትውዮ እንተኾይንኪ ደኣ ስለምንታይ መርዓ ዝኣክል ትስርዝዮ?” ሓሳባታ ስለ ዝተወጃበረኒ ክትጥርንፈለይ ሓበርኩዋ።
“ፍትወት ተበሉኻ ግና ዓለም ኣይሓገዘትንን። ዘይተጸበኽዎ ገጢሙኒ። ብኸመይ ይፈትሖ ድማ’ዩ ሸጊሩኒ ዘሎ።”
ብኽልተ ኣዒንታ ንብዓት ኮረር ከተብል ግዜ ኣይወሰደትን። እቲ ኣሰንባዲ ታሪኻ ድማ ካብዚ እዩ ዝጅምር፡ ህይወት ፈተና እያ፡ ዛንትኣ ድማ ብፈተና ተኸቢቡ ናብ ኣስንባዲ ተቐይሩ—።

ይቕጽል—


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com