Saturday , April 27 2024

ዕድመ ጡረታ ምስ ዝኣረገ ህዝቢ ክውስኽ ተዳልዩ ኣሎ።

Credit: Henrik Montgomery/TT/Babak Parham/Sveriges Radio

ኣብ ሽወደን ዝውለዱ ህጻናት ብቚጽሪ እናወሓደ ሰባት ብዕድመ ዝጸንሑሉ መዋእል ከኣ እናነውሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ብዕድመ ዝኣረገ ህዝቢ ዘለዎ መጻኢ፡ ኣብ ዕድመ ስራሕ ድማ ውሑድ ምዃኑ ክኢላታት ይዛረቡ። ነዚ ንምብዳህ ኣብ ግብሪ ክውዕሉ ካብ ዝኽእሉ ኣገባባት እቲ ሓደ ዕድመ ጡረታ ዝያዳ ክናዋሕ ምግባር እኳ እንተኾነ እዚ ግና ኣካታዒ ምዃኑ ኣይተርፎን እዩ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ፕሮፌሰር “ኢኮኖሚክ ዲሞግራፊ” ኪርክ ስኮት ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ”ኣብዚ ሕጂ እዋን እቲ እንኮ ዘዋጽእ መንገዲ ብ ዕድመ ጡረታ ምስራሕ እዩ” ኢሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com