Saturday , April 27 2024

ዘተ ሰላም የመን ሓሙስ ኣብ ስዊድን ክጅመር እዩ::

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ዘተ ሰላም የመን ሓሙስ ክጅምር ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

እቲ ዘተ ካብ ስቶክሆልም ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ዮሃንስበርግስ እዩ ክካየድ።

ተወከልቲ ሑቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ኣህጒራዊ ዓጃቢ የመን ማርቲን ግሪፊን ኣትዮም ኣለዉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ማርጎት ዎልስትሮም ቅድሚ ምጅማር እቲ ዘተ ብዓወት ክዛዘም ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ’ላ።

“እዚ ዘተ ነዚ ኲናት ኣብ ምዝዛም ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ድማ ብትዊተር ፈንያ።

ጸሓፊ ፕሬስ ፋልስትሮም ቤዛማን ፊቭሪን ንኣገልግሎት ዜና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ” ተወከልቲ ሑቲ ትማሊ ኣትዮም ኣለዉ፥ ቅድሚ ሒደት ግዜያት ድማ ተወከልቲ መንግስቲ የመን ኣርኪቦም ኣለዉ” ኢሉ’ሎ።

መንግስቲ የመን ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ሽወደን ኣብ ዝግበር ዘተ ሰላም ክሳተፍ ድሌት ከም ዘለዎ ገሉጹ ኔሩ። ቅድሚኡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ፥ ኢማራትን መሻርኽተንን ዝገብሮ መጥቃዕቲ ደው ከብሎ ምዃኑ ሓቢሩ ኔሩ’ዩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com