Saturday , April 27 2024

ዘተ ሰላም የመን ኣብ ስቶክሆልም ተዛዚሙ።

ኣብ ትሕቲ ፍቓድ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ስቶክሆልም ክካየድ ዝጸንሐ ርክብ ዘተ ሰላም ወከልቲ ሑቲን መንግስቲ የመንን ሎሚ ክዛዘም’ዩ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ኣንቶንዮ ጋተርስ ኣብ መዛዘሚ ለበዋታት እቲ ኣኼባ ድሕሪ ምስታፍ ሰዓት 13: 45 ኣቢሉ ንውጽኢታት ዘተ ክልቲኦም ወገናት ብዝምልከት ጋዜጣዊ ዋዕላ ክህብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

ነዚ ዘተ ከካየድ ዝመወሉ ሚኒስተራት ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዕዉት ንምግባርን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓድሽ ዙር ምኽክር ንኽህሉን ንምግባር ናብ ሽወደን ከም ዝኣተዉ ይፍለጥ ክብሉ ምንጪታት ምዕራባዊ ዲፕሎማሲ ገሊጾም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com