Friday , April 26 2024

ዘይብሩህ ሓድሽ ዝርርብ ብረክሲት

ነቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ (ሕ.ኤ) ምውጻእ ዚምልከት ኣብ መንጎ ዓባይ ብሪጣንያን ሕ.ኤ ኣብ ብሩክሰል ዚካየድ ዘተ ዝመልኦ ከቢድ ሰሙን ይመጽእ ኣሎ። ይኹንምበር፡ እቲ ዝርርብ ከም ምዕባዩ መጠን ብሩህ ግን ኣይኮነን።

ብመሰረት ናይቲ ዘ ሳን ዚብሃል ብሪጣንያዊ መጽሄት፡ ብዛዕባ ናይ ብረክሲት ሚኒሰተር፡  ዶሚኒክ ራብ ጕዕዞ ዚምልከት ምንም ኣፍልጦ የልቦን።

“ተረዛ መይ ነቲ ናይ ብረክሲት ዘተ ከም ብሓድሽ ትጎቶ ዘላ ትመስል። እቲ ዘ ሳን እተባህለ መጽሄት ብዛዕባ ጕዕዞ ራብ ናብ ብሩክሰል ምንም ሓበሬታ ኣይሃበን።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንሳ ካብ ኤ.ሕ ምስ ወጸት እቲ ኣብ መንጎ ኣይርላንድን ሰሜን ኣይርላንድን ዘሎ ዶብ ከመይ ከም ዚኸውን ንምግላጽ ናብቲ ዚመጽእ ሰሙን ኣብ ብሩክሰል ዚካየድ ኣኼባ ዚቀርብ ሓድሽ ሓሳብ ተሊማ ኣላ። ግን ክሳዕ ሕጂ እቲ ሓሳብ ዚቐርበሉ ዕለት ጌና ኣይተፈልጠን፡ ናይ መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ቃልወሃቢውን ብዛዕባኡ ምንም ኣይበለን።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com