Sunday , April 28 2024

ዘይፈልሐ ጸባ ንጥዕና ጠቓሚ ድዩ ጎዳኢ?

ዘይፈልሐ፡ ብስነፍልጠት ድማ ‘ፓስቸራይዝ’ ዘይኮነ ጸባ ምስታይ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ናይ ኣካላትና ክብ ኪንዮ ምባል፡ ዝተፈላለዩ ኣለርጂታት ምክልኻልን ንስርዓተ ምሕቓቕ መግቢን ሓጋዚ እዩ።

እንተኾነ ግን ጸባ ምፍላሕ፡ ናቱ ኣድላዪነት ኣለዎ። ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ባክቴርያ ንምቕታልን፡ ጸባ ከይተበላሸወ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክጸንሕን ሓጋዚ እዩ።

ኣብ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜን አየርላንድን ፓስቸራይዝ ዘይኮነ ጸባ፡ ኣብ ማዕከላት ዕዳጋ ኮነ ንኣሽቱ ድኳናት ምሻጥ ብሕጊ ዝተኸልከለ እዩ። ንምዃኑ ጸባ ንጥዕና ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ?

ብዙሓት ሰባት ጸባ ዝሰትዩ፡ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ማዕድናት ስለ ዝሓዘ እዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ጸባ ዝርከቡ ገለ ቪታሚናት፡ ሙቐት ክጻወሩ ኣይክእሉን እዮም። እዚ ማለት ድማ ብሓዊ ዝሓለፈ ጸባ፡ ንኣካላትና ዝህቦ ጥቕሚ ብከፊል ኮነ ብምሉእ ይጠፍእ ማለት እዩ።

ሓደ ኣብ ካናዳ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ግና ጸባ ክነፍልሕ ከሎና፡ ነቲ ጥቕምታቱ ናይ ምጥፋእ ዕድላት ሒደት ምዃኑ’ኳ እንተገለጸ፤ ቪታሚን ቢ2 ዝተባህለ ማዕድን ብምኽንያት እቲ ሙቐት ክጠፍእ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ገለ ሰባት ድማ ዘይፈልሐ ጸባ ምስታይ ዝመርጹ፡ ንኣካላትና ዝጠቕሙ ባክቴርያታት ኣለዎ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ እዩ። ምፍላሕ ነቲ ጠቓምን ጎዳእን ባክቴርያ ይቐትል’ዩ።

እንተኾነ ግና ኣብ ሓድሽ ካብ ላም ዝተሓልበ ጸባ ዝርከብ ቁጽሪ ጠቐምቲ ባክተርያ ብዙሕ ኣይኮነን። ጸባ ከይፈልሐ ንመዓልታት ክጸንሕ ከሎን ናብ ርግኦን ኣጅቦን ዝኣመሰሉ ፍርያት ምስ ተቐየረን ዝበዝሐ ጠቐምቲ ባክቴርያታት ይሕዝ።

ምንጪ፦ቢቢሲ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com