Saturday , May 18 2024

ሽወደን ናብ ህዝባዊ ዕግርግር ዝኽሰተሉ ኲነታት እናቐረበት ትመጽእ ኣላ ኢሉ ከም ዝኣምን ሓደ ተመራማሪ ገሊጹ።

Magnus Granberg ኣብ ዩኒቨርሲቲ Sundsvall ተመራማሪ ግርጭታት ሽቕለት እዩ። ንሱ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ንምእዳም ዛዕባ ዝገበሩ ክትዓት ከምኡ’ውን ውሕስነት ሽቅለት ንምልዓል ዝተበጽሑ ፖለቲካዊ ስምምዓት ኣብ ሽወደን ብያታ ንዝጸንሐ ሳሕቲ ተርእዮ ሸብሮን ኣድማን ክቕይሩ ተኽእሎ ኣሎ ይብል። “ኣብ ታሪኽ ኣብ ሽወደን ዝወሓደ መጠን ኣድማን ማሕበራዊ ግርጭትን ዝህልወሉ ምኽንያት ኣዝዩ ስጡም ናይ ምውጋይ ሓይሊ ማሕበራትን ህዝባዊ ውድባትን ብምህላወን እዩ,” ክብል Granberg …

Read More »

ኣብ ደገ ክትቅመጥ ዝጸንሐት ሰበይቲ 280 ሽሕ ክሮነር ክትመልስ ተሓቲታ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ Jönköping እትቕመጥ ሰበይቲ 280 ሽሕ ክሮነርን ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን ተመላሲ ክትገብር ብሕጊ ተሓቲታ ክብል ቴለቨዥን ስዊድን SVT Jönköping ጸብጺቡ። እዛ ሰበይቲ ናይ ወለዲ: ብዝሒ ቆልዑ፥ መዕበያን፥ ጽገናን ኣበል ሓቲታ ካብ 2014 ጀሚራ ክወሃባ ጸኒሑ’ሎ። እዛ ሰበይቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ደገ ክትቅመጥ ምጽንሓ försäkringskassan ድሕሪ ምቅልዑ ግና እቲ ክዋሃባ ዝጸንሐ መሰል ክፍሊት ተቋሪጹ እቲ ዝወሰደቶ ገንዘብ ተመላሲ ክትገብር …

Read More »

ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም እተጠርጠረ መንእሰይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣቱ።

ሰለስተ ኣብ ክሊ ዕድመ 18 ዝርከቡ መንእሰያት ሰንበት ንግሆ ኣብ ምምሕዳር ከተማ Kalmar ንሓንቲ ኰተቴ ዓሚጽኩም ብዝብል ጠርጠራ ተታሒዞም። እቶም ክልተ ድሕሪ ሕቶ ክፍነዉ እንከለዉ እቲ ሓደ ትቐዪዱ’ሎ። ሓላፊ መራኸቢታት ፖሊስ Patric Fors ምንም ዘጠርጥር ኣይረኸብናሎምን ይብል። እቲ እተቐየደ መንእሰይ በቲ ዝወሓደ መምዘኒ እኹል መጠርጠሪታት ከም ዘለዎን ሎሚ እቲ መርመራ ፖሊስ ክቕጽል እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ፖሊስ እታ እተዓመጸት ቆልዓ 16 …

Read More »

ሰኑይ ምሸት ንሰማይ ምንቅዕራር ኣይትረስዑ።

ኲነታት ኣየር እንተፈቒዱ ደም እትመስል ክንዲ ዓውዲ ትኸውን ወርሒ ክትርእዩ ኢኹም። መዘኻኸሪ፥ እቲ ንምርኣዩ ዘገርም ምሉእ ምግራድ ወርሒ ኣብ 2029 እዩ ከጋጥም ተባሂሉ ተቐሚሩ’ሎ። ወጋሕታ ሰኑይ ምሉእ ምግራድ ወርሒ ከጋጥም እዩ። ምልእቲ ወርሒ ብመሬት ምሉእ ብምሉእ ክትጋረድ እያ። እዛ ወርሒ ከምተን ካልእ ግዜ እንርእየን ዘይኮነ ክንዲ ዓውዲ እትኽወን ገዛፍ ወርሒ ኣያ ክትከውን። ናይዚ ዓመት ጠፈራዊ ክስተታት ክከታተሉ ንዝደልዩ ማእከል ሳየንስ …

Read More »

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ 7

ናብ ዝኸበርካ ኣቦ ከመይ ኣሎ ዓዲ? ኣነ ጽቡቕ ኣሎኹ፡ እቲ ቋንቋ ሽወደን’ውን ዳርጋ ክኢለዮ እየ። ስራሕ ንምርካብ ድማ ቋንቋ ምኽኣል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓድሓደ ግዜ ክዛረብ ከሎኽ እጋገ እሞ፡ እቶም ሽወደናውያን ዘይኮኑስ እቶም ብጾተይ እዮም ዚስሕቁኒ። ግን ቋንቋ ከምኡ እዩ፡ ሰብ ስሒቑኒ ኢልካ ክትሓፍር የብልካን። ኣብዚ ጉዳይዚ ፈረንጂ ካባና ዚሕሹ ይመስሉ። ንሕና ሓደ ወጻእተኛ ከም ገለ ኢሉ ነቲ ትግርኛ ኣበላሽዩ …

Read More »

በዓል መዚ ኢሚግሬሽን 8 ሽሕ ስድራቤታት ናብ ሽወደን ክጥርነፋ እየን ይብል።

ኣብ መንጎ ኣርባዕተ ሰልፍታት ሽወደን ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ምጥርናፍ ስድራቤት ካብ ዝቅጽል ሓምለ ኣትሒዙ ናብቲ ዝነበሮ ክምለስ ድሕሪ ምስምምዖም፣ ብዓል መዚ ኢመግረሽን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ 8000 ስድራቤታት ኣብ ዝቅጽል 3 ዓመታት ክጣራነፋ ምኻነን ሓቢሩ። ምፍልላይ ስድራ ኣዝዩ ሕማቕ ተርእዮ ምዃኑን ምጥርናፍ ንሰድራቤት ናይ ውሕስነት ስምዒቶም ክብ ከም ዘብሎን እውን ተገሊጹ። ምጥርናፍ ስድራቤት ኣርባዕቲአን ሰልፍታት ሽወደን (ማእከላይ፥ ከባብያዊ፥ ሊበራላውን ዴሞክራስያዊ ማሕበርነታዊን …

Read More »

ዜናታት ስዊድን ብትግርኛ 18 ጥሪ 2019

Read More »

ምምራጽ መራሒ መንግስቲ stefan löfven ቀሊል ከምዘይነበረ ተገሊጹ።

ባይቶ ሽወደን ንመራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራት stefan löfven መራሒ መንግስቲ ክከውን መሪጽዎ። ቀጽሪ ዓቃባውያን ንዴሞክራስያዊ ክርስትያናዊ ሰልፊ ክመርጹ እንከለዉ ጸጋማዊያን ሊበራላውያንን ማእከላይን ሰልፊታት ብተዓቅቦ ሓሊፎሞ ኣለዉ። ውጺኢት እቲ ምርጫ ከምዚ ዝስዕብ እዩ ኔሩ። 115 ድምጺ ን löfven 153 ኣንጻር löfven 77 ተዓቅቦ ኣብ ግዜ ኣኼባ ዝነበረ ኣቃውማ ሰልፊታት መራሕቲ ማእከላይን ሊበራላውን ሰልፊታት ኣብ እዋን ምርጫ ባይቶ እዚ ሓድሽ መንግስቲ ቀዳማይ …

Read More »

ትራፊክ ኣየር መዓርፎ ነፈርቲ Arlanda ናይ ስራሕ ምትእጒጓል ኣጋጢምዎ።ገለ በረራ ተሰሪዙ ተባሂሉ።

እዚ ድማ ናብ ሽወደን ንዝኣትዉን ካብ ሽወደን ወጻኢ ንዝገሹን ብኣሉታ ክጸሉ እዩ ተባሂሉ። እዚ ምትእጒጓል ብቐንዱ ብጸገም ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ዘጋጠመ እዩ ይብል ንመብዛሕትአን መዓርፎ ነፈርቲ ዘካይድ ሽወደንያ። ” እዚ ኣበር’ዚ ክሳብ ክንደይ ዝኣኽላ ነፈርቲ ጥራይ ክንቅበል ኣብ ዝብል ቅመራ ክንወድቕ ቀሲቡና’ሎ።” ብምባል ሓላፊ መራኸቢታት እቲ ትካል Ulrika Vagher ምስ ኤክፕረስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ። ናብ Arlanda እትኸይድ ነፋሪት ክጽበ ከድልያ …

Read More »

ደሃይ መስርሕ ምስግጋር !

ኣርሰናል ን ዴኒስ ሱዋሬዝ ብ ልቓሕ ንምስግጋር 3 ሚልዮን ፓውንድ ንምኽፈል ምስ ክለብ ባርሰሎና ኣብ ስምምዕ በጺሔን። ክለብ ኣርሰናል እንተደልያ 30 ሚልዮን ፓውንድ ብምክፋል ክትውንኖ ከምትኽእል ኣካል እቲስምምዕ ኮይኑ ኣሎ። ሓልዊ ልዳት ደቪድ ደ ሂያ ኣብ ማንቸስተር ዩናይትድ ክጸንሕ እንተኾይኑ ሰሙናዊ ደምዙ 350 ሽሕ ን ሰሙን ክኽፈሎ ሓቲትይ። times ኣካየድቲ ክለብ ማንቸስተር ዩናይትድ  ን ግዝያዊ ኣሰልጣኒ እዛ ጋንታ ሶልሻየር ብቀዋምነት …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com