Monday , April 29 2024

ዜጋታት ሩስያ፡ ንጠፈርተኛ ዩሪ ጋጋሪን፡ ዘለዎም ክብሪ ይገልጹ

ሩስያዊ ጠፈርተኛ፡ ዩር ጋጋሪን፡ ቅድሚ 60 ዓመታት ንፈለማ እዋን ናብ ጠፈር እተጓዕዘ ሰብ እዩ። ንስለ ክብሩ፡ ብህይወቱ እናህለወ ብርክት ዝበለ ሓወልቲን ካልእ ህዝባዊ ስነጥበባዊ ስርሓት ከም እተበርከተሉ ይፍለጥ።

ኣብ ሩስያ ኣዝዩ ዝለዓለ ክብሪ ካብ ዝወሃቦም ሰባት ሓደ ዝኾነ፡ ጋጋሪን፡ ኣብ ማእከል ከተማ ሞስኮ፡ ኣደባባይ ለኒንስኪ፡ ከምኡውን ኣብ 1969 ብ ስነጥበባዊ ዩሪ ኮሮሌቭ ዝተሃንጸ ሞዛይክ ሓዊስካ፡ ዩሪ ጋጋሪን፡ ሃገራዊ ጅግና ዘስምዮ ብዙሓት መዘክራት ቆይሞምሉ ይርከቡ።

ጋጋሪን ካብ ድኻታት ስድራቤት እዩ ተወሊዱ። ቅድሚ ኣብራሪ ናይ ኲናት ጀት ምዃኑ ድማ ቀጥቃጢ ሓጺን ምንባሩ ታሪኽ ህይወቱ ዝዳህሰሰ ጸብጻብ ዩሮ ኒውስ የመልክት።

ኣብዚ እዋን፡ ቤት ጋጋሪን፡ ብሙዚዮምነት ተዓቂቡ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣካያዲቱ ድማ ጓል ሓፍቱ ንጋጋሪን ዝኾነት፡ ታማራ ፊሊቶቫ፡ እያ። ንሳ፡ “ዩሪ ጋጋሪን ፈታው ሰብ እዩ ኔሩ” ክትብል ትገልጾ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com