Friday , April 26 2024

ዜጋታት ዓዲ እንግሊዝ፡ ዘይሕጋውያን ነበርቲ ናይ ምዃን ሓደጋ የንጸላልዎም

ሃገረ እንግሊዝ፡ ድሕሪ ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ምውጻኣ፡ እቶም ኣብ ሽወደን ብስራሕ፡ ትምህርቲ ይኹን ብኻልእ ምኽንያት ዝቕመጡ ዜጋታት፡ ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ክሓቱ እንተዘይክኢሎም፡ ኣብ ሽወደን ናይ ምንባር መሰል ኣይክህልዎምን እዩ ክብል ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ እንግሊዝ ኣብ ሽወደን ከም ዝሓበረ፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ሰባት እዚኣቶም፡ ኣብ ውሽጢ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ናይ ምንቅስቓስ ናጽነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዮም ናብ ሽወደን መጺኦም። መብዛሕትኦም ኣብ ሽወደን ናይ ምንባር መሰል ዝረኸቡ ዜጋታት እንግሊዝ፡ ብሕጊ ሽወደን ድዩ ወይስ ብሕጊ ኤውሮፓዊ ሕብረት ፍቓድ ዝተዋህቦም ምዃኑ ኣነጺሮም ዘይፈልጡ እዩም ክብል ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ እንግሊዝ፡ ብምውሳኽ ገሊጹ።

ካብዞም ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ዜጋታት እንግሊዝ፡ እቶም ብሕጊ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ናይ ምንባር መሰል ዝረኸቡ፡ ክሳብ ዕለት 30 መስከረም ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ክሓቱ እንተዘይክኢሎም፡ ከም ዘይሕጋውያን ነበርቲ ናይ ምዃን ሓደጋ ከንጸላልዎም ምዃኑ እቲ ቤት ጽሕፈት ሓቢሩ።

ኣብ ሽወደን እትነብር እንግሊዛዊ እንተድኣ ኮንካ፡ ብኸመይ ኣገባብ መንበሪ ፍቓድ ከምዝትዋሃበካ ክትፈልጥ ክትግደድ ኢኻ። መንግሲቲ ሽወደን፡ ንዜጋታት እንግሊዝ ብዝምልከት፡ ሓድሽ ናይ መንበሪ ፍቓድ ኣገባብ ኣተኣታትዩ ምህላዉ እናሓበርና፡ ብመንገዲ ኦንላይን ወይ ድማ ናይ ወረቐት ፎርም መሊእኩም ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም ክብል ኣምባሳደር ጁዲስ ጎፍ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com