Sunday , April 28 2024
Foto: Fredrik Sandberg / TT / kod 10080

ዝዋሓደ ቁጽሪ ተሓከምቲ፡ ብኮቪድ-19 ከምዝተለኽፉ ተፈሊጡ

ከም ጸብጻብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ እንተኾይኑ፡ መጠን ናይቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝግበረሎም ዘለዉ ሕሙማት፡ ምስቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ከምዝነከየ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳገንስ ኒሄተር ከም ዝጸብጸቦ፡ ብርክት ዝበላ ምምሕዳራት፡ ብዛዕባ እቲ ወጽዩ ዘሎ ስታቲስቲክስ ሕሙማት ኮቪድ-19፡ ዝተጋነነ ቁጽሪ ክኸውን ከምዝኽእል ከምዘፍለጣ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ብኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ብመሰረቱ ንኻልእ ሕማም ክምርመሩ ንእግሪ መንገዲ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ከምዝኾነ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ ከምዝሓበሮ፡ ካብቶም ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመርመሩ ተሓከምቲ፡ እቶም 57% እቲ ዋና ሕማሞም መልከፍቲ ናይ ኮቪድ-19 ምንባሩ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እዚ ኣሃዝ ድማ፡ ነቶም ሕክምና ዝረኸቡ ኩሎም ተሓከምቲ ኣብ ግምት ዘእተወ ቁጽሪ ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምልኡ፡ እዚ ቁጽሪ፡ 80% ከምዝነበረ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።
ፒየር ማትሶን፡ ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ካሮሊንስካ ዋና ሓላፊ ናይ ህጹጽን ምሕዳስ መድሃኒትን (emergency and restorative medicine) ዝኾነ እዚ ኣሃዝ፡ ዕዙዝ ትርጉም ዘለዎ ምውሓድ ከምዘርኣየ እዩ ሓቢሩ ዘሎ።
እዚ ማለት፡ እቲ ናይ ሆስፒታላት ኣሰራርሓ ተቐይሩ ማለት ኣይኮነን፥ ይኹን እምበር፡ ብኮቪድ ዝተለኽፈ ሰብ ምስ ዘጋጥም፡ ግቡእ ዝኾነ ሕክምና ንኽንገብር ዘኽእለና ዝተማለአ ናይ ሕክምና መሳርሒታት ኣለና ማለት እዩ ክብል ኣብሪሁ።
ኩሎም ክሕከሙ ዝመጹ ሰባት፡ ብኣንቲጀን ይኹን ወይ ድማ ብ PCR መርመራ ናይ ኮቪድ መርመራ ይግበረሎም ከምዘሎ እዩ ክፍለጥ ዝተኻእለ።
እንድሕር ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎም ተሓከምቲ ጅር ኦሚክሮን ከምዘለዎም ተፈሊጡ፡ እሞ ድማ እንድሕር ዝኾነ ይኹን ምልክታት ናይቲ ሕማም ዘየርእዮም፡ እቲ ሒዝዎም ዘሎ ቫይረስ ‘ዘይጓዳእ ዓይነት’ እዩ ወይ ድማ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ሕማም ስለዘሕለፉዎ ወይ’ውን ኣንጻሩ ክትባት ወሲዶም ብምንባሮም ምኽንያት ኣንጻር እቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ (immunity) ኣጥርዮም ኣለው ማለት እዩ ክብል ፒየር ማትሶን ኣብሪሁ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com