Wednesday , May 8 2024
Vilhelm Stokstad / TT

ዩቶበሪ : ሰራሕተኛታት ተመሲሎም ዝሰርቁ ጉሒላታት

ጒሒላታት ኣብ ዩቶበሪ ናይ ተክኒክ ሰራሕተኛታት ብምምሳልን ማዕጾ ኳሕኲሖም ብምእታዉን ይሰርቁ።

ሓደ ካብዞም ጒሒላ ኣብ ከባቢ Högsbo  ማዕጾ ምስ ኳሕኲሐ ጓል ትሽዓተ ዓመት ህጻን እያ ከፊታቶ። ማዕጾ ከዐሪ እየ ብዝብል ሰበብ ከኣ ንውሽጢ ገዛ ኣትዩ።

ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን እዚ ኣጋጣሚ ብመሰረቱ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ 15 ተመሳሰልቲ ክስተታት ተጸብጺቦም ኣለዉ። እዚ ወንጀል ኣብ መስመር ትራም 3 ካብ Axel Dahlstrom ክሳብ Charalund ኣብ ዘሎ ከባቢ እዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ጒሒላ ሓደ ዓይነት ብልሓት እዩ ተጠቒሙ። ንሰብቤት ከም ዝፈልጦምን ዝዕረ ነገራት ከዐሪ ከም እተላእከን ብምምሳል እዩ ኣብቲ ስርቂ ተዋፊሩ።

እቶም ዝተታለሉ ህጻናት ካብ 9 ክሳብ 11 ዝዕድሚኦም ኮይኖም ዝኮነ ንህይወቶም ዘስግእ ኲነታት ከም ዘጋጠሞም ግና ኣይገለጹን።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com