Monday , April 29 2024
Foto: Paul Wennerholm / TT / kod 12110

ዩክሬናውያን ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ሩስያ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም።

ትማል ረቡዕ ዩክሬናውያን ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ብምእካብ እት ሃገር ን ተገንጸልቲ ዞባታት ዩክሬይን ኣፍልጦ ብምሃባን ወተሃአራዊ ሓገዛት ትገብር ብምህላዋን ተቓዎሞኦም ብሰልፊ ኣስሚዖም።

ቅድሚ 20 ዓመታት ወዲ 13 ዓመት እናሃለወ ናብ ሽወደን ዝኣተወ ዩክሬናዊ ሄንሪካ ካሹር “ብ 2001 ካብ ዩክሬይን ንብ ሽወደን እንተዘይኣቱ ሕጂ ምስ ደቀይ ኣብኡ ምሃለኹ ኢለ እንክሓስብ ፍርሒ ይስማዓኒ” ይብል።

ን 7 ዓመታት ኣብ ሽወደን እተቐመጠት ካትሪን ሞሮዞቭስካ ብወገና እዚ ምዕባለታት ፍርሂ ከም ዝፈጠረላ፡ ብሰንኪ እቲ እትሰምዖ ዜናታት ኣብ ስርሓ ከተተኲር ትሽገር ምህላዋን እያ ትገልጽ።

ካልእ ዩክሬናዊት ድማ ኣብ ዩክሬይን ዝርከቡ ሰባት ኣብ ናይ ከተማ ውግእ ብኸመይ ህይወቶም ክዕቅቡ ከም ዝኽእሉ ትምህርቲ ይወህቦም ምህላዉ ከም ዘሻቐላ ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ገሊጻ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com