Saturday , April 27 2024
Credit: Virginia Mayo/AP

ዮሃንሰን፡ ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽጉ ብዝቐልጠፈ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣለዎም።

ናይ ዕቚባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት፡ ናብ ዓዶም ክስጐጒ ኣለዎም ክትብል፡ ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጒዳያት ኣውሮጳ ዪልቫ ዮሃንሰን ገሊጻ። ካብ ከተማ ስቶክሆልም ውጽእ ኢሉ፡ ትማሊ ዘይወግዓዊ ርክብ ሚኒስተራት ውሽጣዊ ጒዳያትን ፍትሒን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ተኻዪዱ እዩ። ሓላፊት እዚ ምትእኽኻብ ዩልቫ ዮሃንሰን ኣብቲ ኣጋጣሚ ነዚ ሕሳብ ኣቕሪባ’ላ።

ዪልቫ፡ ንምምላስ ሕቶ ዕቚባኦም ዝተነጽጒ ሰባት ኣመልኪታ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዓመታዊ ሃገራዊ ሸቶ ከቐምጣ ኣለወን ኢላ’ላ።

ንሳ “ንዕቚባ ዝኾነ መሰረት ዘይብሎም ሰባት ብዝቐልጠፈ ናብ ዓዶም ክምለሱ ኣለዎም። ብቚዕ ናይ ዕቚባ መሕተቲ ምኽንያት እንተዘይብሎም ሰባት ናብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ክመጹ የብሎምን” ክትብል ን ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com