Friday , May 10 2024

ዮቶቦሪ፡ ቁጽሪ ልኹፋት ቫይረስ ኮሮና ብናህሪ ይውስኽ።

ኣብ ምምሕዳር ቨስትራ ዮትላንድ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝልከፉ ዘለዉ ሰባት ይውስኽ ምህላዉን ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ዮቶቦሪ ዓቢ ዝላ ከምዘርእየን ይኹን እምበር እቲ ወሰኽ ከምቲ ኣብ ስቶክሆሎም ዝረአ ዘሎ ከምዘይኮነ ሓላፊ ምቁጽጻር ለበዳ እቲ ምምሕዳር ቶማስ ቫልበሪ ሓቢሩ። ኣብዚ ምምሕዳር ካብ ዝተራእየ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ወሰኽ ልኹፋት ቫይረስ ካብ 30 ክሳብ 60 ሰባት ነይሮም። መብዛሕተኦም ካብ ከተማ ዮቶበሪ ምንባሮም ተፈሊጡ።

ኣብ ምሉእ ምምሕዳር 33 ሰባት ጥራይ ከምዝሞቱ እቲ ቫልበሪ ይገልጽ። ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቬስትራ ዮታላንድ ዝርከብ መናበይ ዓበይቲ ከምዝበጸሐን እቲ ለበዳ ኣብ መላእ ምምሕዳር ይቕጽል ከምዘሎን ተወሳኺ ቁጽሪ ናይ ኣረጋውያን ይልከፉ ከምዘለዉ ኣብ መደምደምታ ዘረብኡ ቫልበሪ ሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com