Sunday , April 28 2024
Scientists at the Africa Health Research Institute in Durban, South Africa (AP Photo/Jerome Delay, File) NYPH902

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሕጊ ውሸባ ከተፍኲስ እያ

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብኮቪድ ዝተለኽፉ ግና ዝኾነ ዓይነት ምልክት ናይቲ ሕማም ዘየርእዩ ሰባት ክውሸቡ ምጥላብ ክትሓድጎ መደብ ከም ዘለዋ መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ ሓድሽ ሕጊ ኣፍሊጡ።

ምልክት እቲ ሕማም ዘርእዩ ሰባት ዝሕተትዎ ውሸባ፡ ድማ ካብ 10 መዓልታት ናብ 7 ክወርድ ጌሩ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብታ ሃገር ቊጽሪ ናይቶም ባህርያዊ ጸረ-ኮቪድ ናይ ምክልኻ ዓቕሚ (ወይ ድማ ኢምዩኒቲ) ዘማዕበሉ ሰባት ምውሳኹ ድሕሪ ምርግጋጹ እዩ ክብል ካቢነ እታ ሃገር ብሰኑይ ድሕሪ ዝገብሮ ኣኼባ ገሊጹ’ሎ። ብሰሉስ፡ ኲለን ብሰንኪ ኮቪድ ተዓጽየን ዝነበራ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተኸፍታን፥ እቲ ናይ ሰለስተ ጫማ (1 ሜትሮ) ርሕቀት ምሕላው ዝብል ሕጊ’ውን ክተርፍ ምዃኑ እቲ ሓድሽ ሕጊ ወሲኹ ኣመልኪቱ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ፡ 9 ሽሕ ዜጋታታ ከም ዝሰኣነትን 3.6 ሚልዮን በቲ ሕማም እተለኽፉን ሰባት ከም ዘለዉዋ ካብታ ሃገር ዝወጹ ጸብጻባት የመልክቱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com