Saturday , April 27 2024
People carry bags of rice from a factory in Mobeni, south of Durban South Africa, (AP Photo) DUR110

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዕግርግርን ናዕብን ይቕጽል

ንማእሰርቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ጃኮብ-ዙማ፡ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣብ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ጥራይ፡ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ምዕናዉ ተገሊጹ። በዚ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግርን ናዕቢን ኣብ ክዋዙሉ ናታል ጥራይ ክሳብ 40 ሽሕ ዝበጽሕ ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ተዓጽዮም ምህላዎም ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝሰርሕ ሓደ ሚኒስተር ገሊጹ’ሎ።

ልዕሊ 200 ዱኳናት ከም እተዘርፈን ኣብ ደርባን ጥራይ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ምዕናዉን ብማሕበር ወነንቲ ንብረት ደቡብ ኣፍሪቃ ዝቐረበ ጸብጻብ ብምጥቃስ፡ ኩምቡድዞ ንትሻቨኒ፡ ኣመልኪቱ።

90 ፋርማሲታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነዋ ዘመልከተ እቲ ጸብጻብ፡ ብፍላይ ተሓዝቲ ገንዘብ ከም እተጠቕዓ ኣረዲኡ። ኣብ ጆሃንስበርግ ዝበጽሐ ዕንወት ገና ይጽብጸብ ምህላዉን ኣብዚ ከም ዘይኣተወን፡ ጠንቂ እዚ ኩሉ ተግባራት ራስያ፡ ሽቕለት ኣልቦነትን ድኽነትን ምዃኑ ተንተንቲ ቊጠባ ኣመልኪቶም ኣለዉ።

እንተኾነ ግና ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ ከም ዝበሃል፡ እዚ ናዕቢ ብዘኸተሎ ዕንወትን ራስያን 15 ሽሕ ዜጋታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም ኣለዉ ክብል ጸብጻብ ቢቢሲ ምግላጹ ተፈሊጡ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com