Saturday , April 27 2024
Bild: Alkompis

ደብዳበ ናብ ዓዲ ቍ. 9 ብኣማኑኤል ሳህለ

ናብ ዝኸበርካ ኣቦይ

ከመይ ትኸውን ኣሎኻ? ሓኪም ምስ ተረኣኻ ውጽኢቱ ኣይነገርካንን እሞ፡ እጽበ ኣሎኹ።

ኣብታ ዝሓለፈት ደብዳበይ ዘይነገርኩኻ ፍጻመ ኣሎ። ቀልጢፈ ዘይነገርኩኻ ድማ ቅሩብ ስለ ዘሕፈረኒ እዩ። ግን ሕጂ ነብሰይ ስለ ዝወቐስኩዋ ክነግረካ መዲበ እየ ዝጽሕፈልካ ዘሎኹ።

ሓጋይ ብምንበሩ፡ ሃሩርውን ብርቱዕ ብምንባሩ፡ ናብ ሓደ እንዳ ዓርከይ ከይደ። ንሱ ትሕቲ ዕድመ ብምዃኑ ምስ ሽወደናውያን ስድራቤት እዩ ዚቕመጥ። ናብቲ ዝቕመጠሉ ቦታ ምስ በጻሕኩ፡ እቲ ዓርከይ ምስቶም ስድራቤት ናብ ምሕምባስ ይኸይድ ከም ዝተበገሰ ነጊሩኒ፡ ብፍቓድ ናይታ ስድራቤት ድማ ምሳታቶም ኪኸይድ ተሓቢሩኒ። ምሳታቶም ማኪና ተሳፊረ ድማ ናብ ሓደ ዓቢ መሐምበሲ ቦታ በጺሕና።

ኣባላት ስድራቤት ኪሕምብሱ ምስ ረኣኹዎም፡ ኣነ’ውን ዘይሕምብስ ዚብል ኒሕ መጺኡኒ ክሕምብስ ተዳለኹ። ብመሰረት ሓበሬታኦም፡ ሻወር ወሲደ፡ ናይ ዓርከይ ትርፊ መሐምብሲ ገይረ፡ ናብቲ መሐምበሲ ቦታ ቀረብኩ።

ጓልቶም ስድራቤት፡ ሓምቢስካ ትኽእል ዲኻ ኢላ ምስ ሓተትኒ፡ እወ እየ ዝበልኩዋ። ቀጺላ ካብ ላዕሊኸ ዘሊልካ ትኽእልዶ ዚብል ሕቶ ኣቕሪባትለይ፡ ኣነ ድማ ሕጂ’ውን እወ እየ ዝበልኩዋ። ብድሕርዚ ንዓ በል ኢላ ናብቲ መዝለሊ ቦታ ምስ ወሰድትኒ፡ ወይለይ ናይ ሓቂ ድያ ገይራቶ ብምባል ክሰግእ ጀሚረ። ስነይ ነኺሰ ድማ ካብ ላዕሊ ዘለልኩ፡ ናብቲ ማይውን ርእሰይ ኣቐዲመ ኣተኹ።

ኣነ ኣብ ዓዲ ከለኹ ብዙሕ ናይ ምሕምባስ ልምዲ ኣይነበረንን፡ ግን እኽእል እየ ዝብል ኣጉል እምነት ነይሩኒ።

ኣብቲ ማይ ምስ ጠለቕኩ፡ ብኡ ኣቢለ ሃለዋተይ ጠፊኡ። እታ ጓል ግን ብውሽጢ ውሽጢ ዝሕምብስ ዘሎኹ መሲሉዋ ግዲ ኾይኑ፡ ስቕ ኢላ እያ ትርእይ ዝነበረት። ካብቲ ማይ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ወጺአ ዒቕ ዒቕ ኢለ። ንሳ ግን ናይ ኤርትራውያን ፍሉይ ናይ ምሕምባስ ቅዲ ግዲ መሲሉዋ ሕጂ’ውን ብዙሕ ግዲ ኣይገበረትን። ደሓር ግን ተፈሊጡዋ። ብቕጽበት ድማ ናይ ሓገዝ ኣውያት ኣስሚዓ። ብኡ ብኡ ድማ እቲ ንሓምበስቲ ዘድሕን ሰብኣይ ዘሊሉ ኣትዩ ካብ ሞት ኣውጺኡኒ።

ኣካላተይ ህይወት ኪዘርእ ምስ ጀመረ፡ እታ ቀዳመይቲ ዝቐረበትለይ ሕቶ ስለምንታይ ዘይትኽእል ከሎኻ እኽእልየ ትብል፡ እትብል ነበረት። ክምልሻ ግን ኣይከኣልኩን።

እቲ ፍጻመ ንዓይ ብዙሕ ምሂሩኒ። ኣብ ምሕምባስ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ኩሉ ኣጋጣሚታት፡ ንዘይትኽእሎ ነገር ኣይክእሎን እየ ምባል ነውሪ ከም ዘይብሉ ብከቢድን ሓደገኛን መገዲ ተማሂረ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com