Friday , April 26 2024

ደንማርክ ክትኣቢ ኸላ፡ ኖርወይ ግን ብዙሓት ናይ ክዎታ ስደተኛታት ክትቅበል ኣሚማ ኣላ

ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ኖርወይ 3000 ናይ ክዎታ (ሓንቲ ሃገር ክትቅበሎ ዘለዋ ምዱብ ብዝሒ) ስደተኛታት ክትቅበል እያ። እዚ ድማ ነቲ መንግስቲ ኣብቲ ሰኑይ ዚካየድ ንቀውዓዊ ባጀቱ ዝቐረበ እማመ እዩ። እዚ እማመዚ እንተ ደኣ ሓሊፉ፡ እታ ሃገር ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበራ ምቕባል ስደተኛታት ክብ ኪብል ኣዩ። ኣብቲ ዓመት’ቲ 2120 ዕቝበኛታት ጥራይ እያ ተቐቢላ ነይራ።

እቲ ቅድሚ ዓመት ይገብር ዝነበረ ናይ ሆይረን ናይ ፈምስክሪትስ ሰልፍን መንግስቲ፡ 1120 ዕቝበኛታት ጥራይ ኪቕበል ኣሚሙ ነይሩ። ደሓር ግን ኣብቲ ፓርላማ  ምስ ክሪስተሊግ ፎልክ ሰልፍን ቨንስትረን ዘተ ምስ ተኻየደ፡ እቲ ቍጽሪ ደዪቡ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ እቲ ሰልፊ ቨንስትረ ኣካል ናይቲ መንግስቲ ብምዃኑ፡ እቲ ቝጽሪ ይውስኽ ኣሎ። እዚ ዚኸውን ዘሎ  ድማ እተን ሰልፍታት ነቲ ምቕባል ዕቝበኛታት ኣዚዩ ትሑት እዩ ኢለን ብምምጓተን እዩ።

ሃገር ሽወደን ከይተረፈት ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ቀስ እናበለት ነቲ ክዎታ ክብ ኣቢላቶ ኣላ። ኣብ 2016 እቲ ብዝሒ ሰባት 1900 ኪኸውን ከሎ፡ ኣብዚ ዓመትዚ ግን እቲ ኮታ 5000 ሰባት እዩ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com