Friday , April 26 2024

ዳህሳስ ገለ ክፋል ሙዚቃ ኤርትራ ኣብ ሬድዮ ሽወደን

ብመም Joሲ ወዲ ወርቀ ኔልደን

P-2 ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ መንግስታውያን ዝኾና መደበራት ሬድዮ ሽወደን እያ።ኣብ ሙዚቃን ትምህርታ’ውን ጉዳያት ኣተኰራ ዝተፈላለዩ መደባት ድማ ተሳናድእ።

እዛ ብ1955 ከም ዝተመስረተት ዝንገረላ መደበር ሬድዮ እዚ’ኣ፡ብዝተፈላለዩ ሃገራውያንን ውሁዳንን ዝዀኑ ቋንቋታት ማለት ስቨኒስካ፡ፍኒስካ፡ሳሚ፡ሮማኒ፡እንግሊዝ ከምኡ ድማ ብቋንቋታት ዓረብን ሶማልን መደባት ከምዘለዋ ይፍለጥ።

እዛ ሬድዮ ካብ እተቅርቦም መደባታ፡ትማሊ ቀዳም ሚያዝያ 24 /2020 ንሓደ ስዓት ዝኣክል፡ኣብ’ቲ ብ “Folkmusiken i p2) ዝፍለጥ፡ንምዕባለታት ሙዚቃ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝድህስስ መደቦም፡ ፡”Djupdykning:Våldsamt sväng från Eritreas rebeller” ማለት ዓምዩቕ ዳህሳስ ብምባል ንሓይሊ ደርፍታት ተቃውሞ ኣብ ግዜ ቃልሲ፡ ከምኡ ድማ ንፍቅራዊ ደርፍታት ኤርትራ ዘተኰረ መደብ ፡ንሓደ ስዓት ብቋንቋ ስቨኒስካ(ሽወደን) ናብ ኣእዛን ተኸታተልቲ ኣቅሪቦም ነይሮም።

ጋዜጠኛ ሪክ ቫሰርማን(Ric Wasserman) ኣብ ዝቀረባ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝበጽሐትን ናብ ሃገራ ካብ ትምለስ ሓጺር ግዜ ዝገበረት ንዘዳለወቶ መደብ ፡ኣቅራቢት መደብ ኤስመራል ዶመንባሪ ብድምጻ ኣብ ኣየር ካብ ዘቃልሐቶ መደብ ጽሟቕ ርድኤተይ እንሆ።

ኣብ’ዚ ብወዲ 82 ዓመት ገዲም ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብ ኣብ 1977 ዝቐረበ “ወሰን” ዝብል ኣብ ግዜ መግዛእቲ ሃይለስላሴ ዝተደርፈ ናይ ተቃውሞ ደርፊ ዝጀመረ መደብ፡ንድምጻውያን ድሃብ ፋቲንጋ፡ዮሃንስ ትካቦ፡ተመስገን ያሬድ፡፡ሄለን መለስ፡ነፍ የማነ ገብረሚካኤል(ባርያ)፡ኣሮን ክብርኣብ(ካብ ላስቬጋስ)፡ዳዊት ዘርእጋብር፡ ዝተፈላለዩ ደርፍታቶም ብምቕራብ፡”ፍረወይኒ” ብዝተሰየመት ደርፊ ነፍ ጽሃይቱ በራኺ ብምስማዕ ኣፈናዊ ዳህሳስ ኣቅሪቦም።ብዘይክኡ ንባህላዊ መሳርሒታት ዋጣን ክራርን’ውን አድኒቆም።

ኣብ’ቲ ሰፊሕ ሸፈነ ባሃር ድምጻዊ በረኸት መንግስትኣብን ፡ንደረጃ ዓለም ኣብ ዝካየዱ ንጥፈታት ዝሓሸ ተሳታፍነት ዘለዋ ፍልጥቲ ድምጻዊት ድሃብ ፋቲይንጋን ዝሓዘለ መደብ እዚ፡ብርክት ዝበለ ደርፍታት ምስ ትሕዝቶታቶም ቀሪቦም።ንታሪኽ ድሃብ ፋይቲንጋ ምስታ ብደቀ-ኣንስትዮ ጥራሕ ዝማሞቖት “ሹሻን ባንድ” ኣብ ዝትርኽሉ ዝነበረ ግዜ ድማ፡ናይ ፈለማ ኣልቡም “በሰላ” ትብል ዝሰርሓሉ ግዜ ብምዝካር፡ ንሙዚቀኛታት ኣልማዝ በርሀ(ጊታር)፡ኣዜብ ሰሎሙን(ሳክስፎን) ከምኡ ድማ ስም’ታ ሓርበኛ ሰናይት ደበሳይ(ጊታር) ብምስማይ፡ምስታ ሰሚዔያ ዘይፈልጥ ደርፊ ድምጻዊት ድሃብ ፋቲንጋ ኣላሌሙኒ።

ድሒሮም “ኤርትራዊ ቦምባርሊ” ብምባል ንዝጸውዕዎ፡ “ሸጥ መዓንጣና” ብዝብል ደርፊ ዘላለዩና ፍቱው ስነ-ጥበባዊ ዮሃንስ ትካቦ(ወዲ ትካቦ) ብምቕራብ፡ ናብ ኣብ ሽወደን ዝርከብ መንእሰይ ኮኾብ ድምጻዊ ተመስገን ያሬድን “ኣርካናት” እትብል ደርፉን እዮም ቀጺሎም። ብቋንቋ ሽወደን ድማ ከምዚ ብምባል ተርጓምዎ።
“Släp dem politiska fångarna fria! Var är de? Befria dem!” እሱራት ፖሎቲካ ብነጻ ፍትሕዎም።ኣበይ ኣለዉ፧ነጻ ኣውጽእዎም!” (ብሓርፋፍ ትርጒም) ብምባል ናብ ኣእዛን ሰማዕቲ መልእኽቶም ኣብጸሑ።

ክልተ ካብ ደርፍታት ቋንቋ ኩናማ ድሃብ ፋቲንጋ ብምቕራብ ድማ ፡”መኣዛ” ዝብል ፍቕራዊ ደርፊ ሄለን መለስ ብምስማዕ ፡ብቀጥታ ናብ ደርፊ ነፍ የማነ ገብረሚካኤልን ናብ ጐደናታት ኣስመራን ወሲዶምና።
” ‘ቲ ዝደልዮ ተዝኾነለይ
ሓሳብ ናይ ልበይ ተዝሰምረለይ
እወ ምኸድኩ ገዛውትና
ኤርትራ ዓደይ ዓዲ ኩሉና” ብምባል ፡ኣብ ዓምዩቕ ዝኽርታት ሸመሙኒ።

ነታ ደርፊ ኣብ መንጐ ብምቁራጽ ድማ ኣቕራቢት መደብ፡”ኖ! ዝዃነ ጌጋ ኣብ ሬድዮኹም የሎን።እዚ ድምጺ የማነ ገብረሚካኤል እዩ። ትርጒሙ ድማ “ኤረና!” ብምባል፡ናይ ቁብጥሮት ስም ኤርትራ ምዃኑ ኣቀዲማ ሓቢራ ብምጽንሓ፡ብግምተይ ሰማዕቲ ተመሲጥናሉ ካብ ዝጸናሕና ኲነት ንምብርባር ” ስኒ-ጸባ” ዝብል ናይ ጓይላ ደርፊ ድም ኣሮን ክብርኣብ ካብ ላስቬጋስ ብምቕራብ ካብ”ቲ ጦብላሕታና ነቕነቐትና።

ኣብ 2010 “ኩሎም ኾዋኽብቲ ኣስመራ” ብዝብል ዝተዳለወ ኣልብም፡ “ኤርትራውያን ጎራዙ”the eritrean girls ትብል ፍሉይ ህርመት ሙዚቃ ዝሰማዕኹላ፡ብድምጻዊ ዳዊት ዘርእጋብር ምስ ኣቅረበት ድማ ፡ንሳልሳይ ግዜ ናብ ድም ስነ-ጥበበኛ ድሃብ ፋቲንጋ ብምምላስ “ኑመይ” ዝብል ምስ ጒጀለ ባህሊ ኣሰር ዝተጻወተቶን ድሒራ ድማ “ሃኩማ ቲያ” ዝብል ካልእ ናይ ቋንቋ ኩናማ ደርፍታት ሓደ ድሕሪ ሓደ ኣኸታቲሎም ጋበዙና።

ኣብ መበል 52 ደቓይቕ ምስ በጽሑ ድማ፡”ኤርትራዊት ጽሓይ ” ብምባል ስም ኣደ-ጥበብ ኤርትራ ነፍ ጽሃይቱ በራኽን ደርፋ”ፍረወይኒ” እትብል ብምቕራብ፡ገና ኣጸቢቐ ኣብ ዕምቆት ደርፍታት ሃገርና ከይሓንበስኩ፡ኣብ ምዝዛም በጽሑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ንኤርትራዊ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይፍርዲ ካብ 2001 ዓመት ምህረት ኣብ ማሕዩር ንዘሎ ብምዝካር፡ንኽብሩ ” Fågelsång av Tillsammans för Dawit” (ድምጺ ኣዕዋፍ ብሓባር ንዳዊት) እትብል ደርፊ ብምግባዝ መደቦም ዛዚሞም።

ካብ ትሕዝቶኣ …
“ኣብ ብርሃን ወርሒ እንታይ እየ ዝርኢ ዘለኹ፧
ኣብ ቀረባ ዓይነይ እንታይ እየ ዝርኢ ዘለኹ፧
ኣብ’ዚ ኣሎ ቃለይ” ኢሎም ንዝኽሪ ጋዜጠኛ መቃልሕ ነበር ከምዚ ክብሉ ሕቶታት ኣልዓሉ።

“ሓደ ዓይነት ወርሒ’ዶ ንርኢ ኣሎና፧
ኣብ’ቲ ዘለኻዮ መሳዂቲ’ዶ ኣለካ፧
ኣዕዋፍ ክዝምራ’ኸ ትሰምዕ’ዶ፧” ብምባል ንጭንቀት ዳዊትን ንዳዊት ዝመስሉ ብዙሓትን ተስተንትን ብቋንቋታት ሽወደንን እንግሊዝን ዝቀረበት ፡ብስእላዊ ምንቅስቃስ ዝተሰነየት ናብ እዝነይ ዘይኮነ፡ናብ ልበይ ኣቃልሐ።

“ግዜ ሓሊፉ፡ንስኻ ድማ ተናፊቕካ” ብምባል ድማ፡ ንሕርቃንካ ተኻፈልቲ ኢና ብዘስምዕ ቅኒት፡ንዓኻ ንደርፍ ኣሎና ዳዊት “ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ፡ ቅድሚ 5 ዓመት፡ብ13 ዝተፈላለዩ ስነ-ጥበበኛታት ብዝደርፍዋ ደርፊ እቲ መደብ ይዛዘም።ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ’ዚ ምስማዕ ይክኣል።https://sverigesradio.se/avsnitt/1485653


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com