Tuesday , April 30 2024
Denmark is bringing military personnel back from Mali. Here, French soldiers patrol in the same operation in the town of Timbuktu. (AP Photo/Moulaye Sayah) TBT101

ዴንማርክ፡ ሰራዊታ ካብ ማሊ ስሒባ

ሃገረ ዴንማርክ፡ ሰራዊታ ካብ ማሊ ክትስሕብ ከምዝጀመረት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ የፔ ኮፎድ፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ ዴንማርክን ወታሃደራዊ ጁንታን ዘሎ ቅርሕንቲ እንዳተጋደደ ምኻዱ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ።

እቶም ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ጀነራላት መንግስቲ ማሊ፡ ዴንማርክ፡ ካብ ሃገሮም ንኽትወጽእ ብተደጋጋሚ ግልጺ ዝኾነ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም፡ ኮፎድ፡ ገሊጹ።

እዚ ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ኢና ድማ ወታሃደራትና ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝገበርና፡ ምስቶም ኤውሮጳውያን ማሓዙት ሃገራት ድማ ጽቡቕን ናይ ቀረባን ምትሕግጋዝ ምግባር ክንቅጽሎ ኢና ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እንድሕር ኮይኑ፡ እዚ ውሳኔ’ዚ ብዝበዝሐ ክፋል ናይቲ ባይቶ ድጋፍ ዝረኸበ ውሳኔ ከምዝኾነ ገሊጹ።

እዚ ምውጻእ ናይ ወታሃደራት ብርክት ዝበለ ሳምንታት ከምዝወስድ ትጽቢታት ከምዘለው ተፈሊጡ።

90 ኣባላት ዘለዎ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዴንማርክ፡ ብሰኑይ እዩ ኣካል ናይቲ ብታኩባ ዝፍለጥ ሓይሊ ዕማም ኮይኑ ናብቲ ሃገር ዝኣተወ።

ኣብቲ ዝኣተዉሉ ምሸት፡ መንግስቲ ማሊ፡ እቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወታሃደራዊ ጁንታ፡ ኣብ ሃገሩ ተቐባልነት ከምዘይብሎም ገሊጹ። ብመሰረት እቲ ጁንታ፡ መንግስቲ ዴንማርክ፡ ወታሃደራታ ናብቲ ሃገር ንኸተእቱ ዕላዊ ፍቓድ ከም ዘይተዋህባ እዩ ገሊጹ።

ሚስተር ኮፎድ፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ ዴንማርክ ናብ ማሊ ወታሃደራታ ዝሰደደት፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረን ካብቲ ሕጂ ዘሎን መንግስትን ግልጺ ዝኾነ መጸዋዕታ ብዝበጽሓ መሰረት ከምዝኾነ እዩ ኣጉሊሑ ዝሓበረ።

ብታኩባ ዝፍለጥ ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ክረምቲ ናይ ዓመተ 2020 እዩ ከም ኣካል ናይቲ ብፈረንሳ ዝምራሕ ወፍሪ ባርክሃነ ዝተመስረተ። ድሕሪ ሒደት ሳምንታት ድማ፡ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ናይ ማሊ፡ ነቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ኣብ ዘካየዶም ክልተ ዕልዋታት ኣብቲ ቐዳማይ ካብ ስልጣኑ ዝሰጎጎ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ዝተኻየደ ካልኣይ ዕልዋ፡ እቲ ወታሃደራዊ ሓይሊ ንማሊ ባዕሉ ከማሓድር ብምጅማር ነቲ ተወጢኑ ዝነበረ ዲሞክራሲያዊ መርጫ ንኻይልእ እዋን ከምዝሰጋገር ምግባሩ ዝዝከር’ዩ።

ሃገረ ሽወደን፡ ኣባል ናይቲ ብታኩባ ዝፍለጥ ሓይሊ ዕማም ምዃና ይፍለጥ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com