Tuesday , April 30 2024

ድሕረ-ገጻት (Website) ኣማዞን ሽወደን፡ ሎሚ ስርሑ ጀሚሩ

ዓሞሾሽ ኩባንያ ኣማዞን፡ ኣማዞን ኤስ አ (Amazon.se) ዝተባህለ ሓድሽ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ሸመታ (handla) ኣገልግሎት፡ ካብ ሎሚ ረቡዕ ከምዝጀመረ ሓቢሩ።

እዚ ናይ ኣማዞን ድሕረ-ገጽ፡ ዉሑድ ንመሸጣ ዝቐረቡ ንብረት ሒዙ ከም ዝጀመረ ተዓዘብቲ ይሕብሩ። መርበብ ሓበሬታ ፈበር (feber)፡ ንኣጀማምራ ኣማዞን ብዝምልከት፡ እቲ ዝጀመረሉ ድሕረ-ገጽ፡ ከም ናይ ሸመተ መወዓውዒ ገጻት ዘይኮነ፡ ከም ተራ ሰነድ ሓበሬታ እዩ ዝመስል ክብል ሰምይዎ።

ቅድሚ ሕጂ ካብ ኣማዞን፡ ሸመተ ኣካይድካ እንተ ድኣ ዘይትፈልጥ ኔርካ፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ባንካዊ ካርድኻን ናይ ምርኽኻብ ቦታኻን ክትሕብር ክትግደድ ኢኻ። ካብ ኣማዞን ሸመተ ኣካይድካ ትፈልጥ እንተድኣ ኮንካ ግን ብሓንቲ ምጥዋቕ ክትሽምት ክትክእል ኢኻ ክብል መርበብ ሓበሬታ ፈበር ገሊጹ። ኣብ ዕዳጋታት ሸመተ፡ ከም በዓል Klarna ዝኣመሰሉ ተወዳደርቲ ከምዘለዉ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

በዚ ናይ ኣማዞን ምትእትታው፡ እተን ጥንታውያን ትካላት ሽወደን ከምዝጽለዋ ተንተንቲ ቁጠባ ሓቢሮም ክብል SVT ገሊጹ።

ኣካያዲ ስራሕ ትካል ተቆጻጻሪ ዋጋታት ሽወደን (Pricerunner)፡ ኒክላስ ስቶሮኬርዝ፡ ብወገኑ፡ ብሰንኪ ምትእትታው ናይ ኣማዞን፡ እተን ጥንታውያን ትካላት ሽወደን፡  ክኸስራ ምዃነን ሓቢሩ።

ኣብ ድሕረ-ገጻት ኩባንያ ኣማዞን፡ ናይ ዝተፈላለያ ኩባንያታት፡ ኣቕሑን ንብረትን፡ ኣስታት 60% ካብ መሸጣታት ኩባንያ ኣማዞን ዝሽፍኑ እዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፍርያተን ብመንገዲ ትካላት ኣማዞን ዝሸጣ፡ 1.7 ሚልዮን ዝኾና ናእሽቱን ማእከሎትን ኩባያታት ኣለዋ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com