Saturday , April 27 2024
flooding at a residential area at Södra Kungsvägen in Gävle .Foto: Fredrik Sandberg / TT kod 10080

ድሕሪ ሓያል ዝናብ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ኩባንያታት መድሕን የምርሑ

ድሕሪ’ቲ ኣብ ከባቢ ያቭለን ዳላርናን ዝዘነበ ሓያል ዝናብ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ዘዕለቕለቑ መኻዚኖታት፡ መካይን፡ በርታትን ማይ ዘልሗኸ ናሕስታት ብዝምልከት፡ ናብ ኩባንያታት መድሕን፡ ጥርዓኖም ንምትሕልላፍ ክድውሉ ከምዝተራእዩ እተን ኩባንያታት ሓቢረን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ።

ብዘይዕረፍቲ፡ ብመንገዲ ኢንተርኔትን ናይ ተሌፎን መስመርን እንክድወለና፡ ንሕና ድማ ኩሉ ሰብኣዊ ዓቕምና ኣሰሊፍና፡ ጥርዓናት ክንሰምዕን እኳ እንተወዓልና፡ ሪጋ ሒዞም ዘለዉ ሰባት ግን ነይሮም ክብል ኣብ መድሕን ኣባይቲ ያቭለቦሪ፡ ተቖጻጻሪ ዝተሃስዩ ህንጻታት ዝኾነ፡ የንስ ሊልየቢ ገሊጹ።

ኣብ ህንጻታት ዘጋጠመ ዕንወት ንምሕባር፡ ጥርዓንኩም ብመንገዲ ኢንተርኔት ክትሰዱ ንምሕጸን። ንሕና ድማ ንኹሎም ጥርዓን ዘቕረቡ ሰባት፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት፡ ተመሊስና ክንረኽበኩም ከኽእለና እዩ ክብሉ እቶም ኩባንያታት መድሕን ሓቢሮም።

ክሳብ ናይ መድሕን ኩባንያታት ዝመጻኹም፡ ዕድል እንተ ድኣ ረኺብኩም፡ ከተድሕንዎ እትኽእሉ ንብረትኩም ከተድሕኑን፡ ብፖምፓታት እናገበርኩም ድማ ኣብ መኻዚኖታት ዘሎ ማይ ክትጭንጉዑ ይሓይሽ ክብል መድሕን ምምሕዳር ከተማ ጸዊዑ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com