Tuesday , April 30 2024

ድሕሪ ክታበት ንዘጋጠሙ 280 ናይ ሞት ኣጋጣሚታት፡ ግምገማ ተኻይድሎም

በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን፡ ድሕሪ ክታበት ኮቪድ፡ ዘጋጠሙ ጎድናዊ ሳዕቤናት ብዝምልከት 60 ሽሕ ጸብጻብ ከምዝበጸሖ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

ሓደ ዕሽር ናይቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ገምጋም ምስ ተገብረሉ፡ ድሕሪ ክታበት፡ 280 ናይ ሞት ኣጋጣሚታት ከምዝተረኽበ፡ ሬድዮ P4 Gävleborg ኣብ ጸብጻቡ ኣንቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ብጌጋ ክትርጎም ከምዘይብሉን፡ ኣብ መንጎ ክታበትን ናይ ሞት ኣጋጣሚታትን ምትሕሓዝ ከምዘሎ ዝሕብር መረጋገጺ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽበ ክፍለጥ ይግባእ ክብል እቲ ማዕከን ሬድዮ ገሊጹ።

እቲ ጸብጻብ፡ ከም ናይ ካልኦት መድሃኒታት ዝቐርቡ ጸብጻብ ጎድናዊ ሳዕቤናት ኮይኑ ክረአ ከምዝግባእ ኣብ በዓል መዚ ፍርያት መድሃኒት ሽወደን፡ ሓላፊት ጉጅለ ጎድናዊ ሳዕቤናት ዝኾነት ካሪን ቨንየሚር ምስቲ ማዕከን ሬድዮ ኣብ ዝገበረቶ ርክብ ገሊጻ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com